ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕ ዘኽእሎ ትካላት ጸጥታ: ማዕከናት: ገንዘብን ሓያል ኣወዳድባን ብልጫኳ እንተለዎ: ኣብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብቕዓትን ተወፋይነትን ዝወነነ መሪሕነትን ጥርናፈን ብዘይምፍጣሩ ሕሰም ህዝብና ክናዋሕ ዓቢ ምኽንያት ምዃኑ ተገሊጹ።
ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘካየድዎ ዘተን ዝሃብዎ ገምጋምን: ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ፍልልያትን ስቅታን ኤርትራዊ ተሓቢኡ ዕድመ ስልጣኑ ይቆጽር ምህላዉን ዛጊት ተቓለስቲ ባህርያትን ኣካይዳን ጉጅለ ኢሳያስ ብግቡእ ተገንዚቦም ተመጣጣኒ ሜላታት መርሓ ጎደና ክቅይሱ ከምዘይክኣሉ ኣገንዚቦም።
ጉጅለ ህግደፍ ንብዙሓት ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ትውልዲ ዓዶም ንኽመላለሱ: ገዛ ወይ ትካል ከይውሰዶም ስድራቤቶም ከይእሰሩ ፈሪሖም ስቕታ ዝመርጹን ተደናገጽቲ ዝኾኑን: ንቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ብኣሉታ ጸልይዎን ኣዳኺምዎን ኢዩ።
ብተወሳኺ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘካይዶ ናይ ሓሶት ጎስጓሳትን ኣብ መንጎ ደለይቲ ፍትሒ ዝርአ ሓጎጽጎጽን: ኣካል እቲ ጸገም ኢዩ።
ይኹን እምበር ብዘይካቶም ብቑንጣሮ ረብሓ ከይፈተዉ ኣብ ጎድኒ ጉጅለ ህግደፍ ኣንጻር ረብሐኦምን ሕልናኦምን ጠጠው ዝበሉን ድምጹ ዝተዓብሰ ወገኖም ብትብዓት ክጣበቑ ዘይክኣሉን ኤርትራውያን: መላእ ህዝቢ ኤርትራ ንለውጢ ብሃንቀውታ ምስ ብሃገ ኢዩ።
ብመሰረት እቶም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝሃብዎ መተሓሳሰቢ: ኩልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዘለና ፍልልያት ብዘተን ብምጽውዋርን ወጊድናን ሓድሕድ ተናቢብናን ነዚ ጠንቂ ስደት: ድኽነት: ምብትታን ስደራቤት: ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ብልሹው ምሕደራን ኮይኑ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ብጽንዓት ምቕላስን ማሕበራዊ ፍትሒ ምንጋስን ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 35 ዓመታት: ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተጸየነን ዝተኻዕበን እኳ እንተኾነ: እቲ ዛጊት ንምምጻእ ለውጢ ዝተገብረ ተቓውሞን ምንቅስቃስን ግን ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ካብ ስልጣኑ ከወግድ ኣይክኣለን።