ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክቱር ጽልእን ፍርሕን ዘለዎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን ከም ኣመሉ ሃገራዊ ጻውዒት ኣመካንዩ፡ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ይገፍፍን የበሳብስን ምህላዉ፡ ካብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ካብ ከባቢ ሞልቅን ትኹልን ዝበጽሓና ሓበሬታ፡ ህግደፍ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ፡ ደንበ ነኣሽቱ ዓድታት ሞልቅን ትኹልን እንዳቃጸለ፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ናብ ሓደ ክእከብን፡ ካብ ደንበ ክወጽእን ከገድድ ምጽንሑ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ካብ’ዚ ዝሓለፈ ሒደት ሳምንታት ኣትሒዙ ግን፡ ሃገራዊ ጻውዒት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝወደቦ ግፋ፡ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ከይተረፈ ገፊፉ ይወስድ ምህላዉ’ዮም ዝገልጽ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ደንበታት ጎጆ ፈልየን ብማሕረስን መጓሰን ኣብ ልዕሊ ዝነብራ ስድራቤታት ኤርትራ፡ ከቢድ ኢሰባኣዊ ተግባራት ክፍጽም ምጽንሑን፡ ብርክት ዝበሉ ኣባይቲ ከምዘቃጸለን ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ካብ 15ዓመት ንላዕሊ ዝኮና ደቂ ኣንስትዮ ዘካይዶ ዘሎ ሃድን ግን፡ ህግደፍ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ምህላዉ ዘረጋግጽ ምኳኑ’ዮም ዝጠቅሱ።
ህዝቢ ኤርትራ ቀሲኑ ምንባር እንተጀሚሩ፡ ኣነ ብሂወት የለኹን ኢሉ ዝሓስብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዕምሪ ስልጣኑ ንምሕላው ጥራሕ፡ ክብርታት ህዝብና ክደፍርን ከም ህዝቢ ኣብ ጽንተትና ክዋሳእን ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሎሚ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሃድን ንባዕሉ፡ ንፍርሕን ጨካን ባህርያት ናይ’ቲ ጉጅለን ዘጉልሕ ምኳኑ’ዩ ዝእመን።
ህግደፍ ዜጋታት ኤርታራ ካብ ሃገሮም ወጻኢ ተበቲኖም ኣብ ስደት ክነብሩ ዝመርጽ፡ ካብ ሕሉፋት ገዛእቲ ሃገርና ብዝበኣሰ መልክዑ ጸረ ሃገር ጉጅለ ምኳኑ ኣብ መልእኽቶም ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ እቲ ተጻይ ጉጅለ እዚ ብስሙር ሓይልና ዝእለየሉ ኩነታት እንተዘይተፈጢሩ፡ ህላወና ከም ህዝቢ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ፡ ሓደጋ ጽንተት ተቀቢልና ክንቅጽል ክንግደድ ምኳንና’ዮም ዝጠቅሱ።