ህዝቢ ኤርትራ ካብ መርዛም ፍርያት ኣልኮል ኣስመራ ቢራ ክጥንቀቕን፡ ካብ ከቢድ ናይ ጥዕና ሓደጋ ነብሱ ከድሕንን፡ ሰብ ኣስመራ ንለውጢ ኣብ ዝለኣኹልና መጽናዕታዊ ሓበሬታ ኣተሓሳሲቦም።
ካብ እዋን መግዛእቲ ኣትሒዙ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዝርከብ ፋብሪካ ኣስመራ ቤራ፡ ብዘቅርቦም ፍርያቱ ሓደ ካብቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ዓበይቲ ትካላት ብምኳን፡ ንንውሕ ዝበለ እዋናት ስምን ዝናን ዘትረፈ ትካል ምንባሩ ኣብ ሓበሬቶኦም ዝጠቀሱ ሰብ ኣስመራ ንለውጢ፡ እቲ ምስ ምምጻእ ጉጅለ ህግደፍ ምሉእ ብምሉእ ክዳኸም ዝጸንሐ ትካል፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ብቅዓቱ ዘይተረጋገጸ ፍራይት ናብ ህዝቢ የከፋፍል ብምህላዉ ግን፡ ህዝቢ ካብ ድንገታዊ ሓደጋ ክጥንቀቅን፡ ሓላፍነት ክስከምን ከምዝግባእ’ዮም ዘዘኻኽሩ።
ፋብሪካ ኣስመራ ቢራ ወይ እንዳ ሞሎቲ፡ ምስ ምምጻእ ጉጅለ ህግደፍ፡ ቀስ ብቀስ ኣብ ምፍራስ ዝርከብ ትካል ምኳኑ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ከም ቢራ ኣረቂ፡ ጅኝ፡ ኮኛክን፡ ፈርኒጥን ዛኣመሰሉ ደረቅ መስተ ብምፍራይ፡ ዓቢ ጠለብ ከአንግድ ዝጸንሐ ትካል፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ምሉእ ብምሉእ ካብ ግቡእ ኣሰራርሓ ወጻኢ ብቅዓቱ ዘይሓለወ ምህርቲ ናብ ዕዳጋ ይብትን ብምህላዉ፡ ህዝቢ ንሓደጋ ክቃላዕ ይኽእል’ዩ ዝብል ስጋኣት ከምዘሎ’ዩ ወሲኹ ዘረድእ።
ፋብሪካ ኣስመራ ቢራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ድሕሪ ምውዳቁ፡ ምኩራትን ምሁራትን ኣባላቱ ገሊኦም ብስደት ገሊኦም ከኣ ብመሓዩር ናይቲ ጸቢብ ጉጅለ ተሞቂሖም፡ ኣብ ምብትታን ምጽንሖም ዝጠቀሰ ሓበሬታ ሰብ ኣስመራ ንለውጢ፡ ህግደፍ ቀስ ብቐስ ነታ ትካል ውን ምስ ኣዳኸማ፡ ዓይነት ማይን ስገምን ወሪዱ፡ ትሑዝታኣዊ ዓቀኑ ውን ተዛቢዑ ምህላዉ ዝጠቐሱ ኮይኖም፡ ብሰንኪ’ዚ ዘይግቡእ ኣሰራርሓ፡ ፍርያት ናይ’ቲ ትካል ክቱር ምንጪ ከቢድ ሕማም ርእሲ፡ ቅርጸትን ተቅማጥን ይኸውን ምህላዉን፡ እቲ ኹነታት ኣተሓሳሳቢ ከምዝኮነን’ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ንትካላዊ ኣሰራርሓ ናይ’ቲ ትካል ኣፍሪሱ፡ ምሉእ ብምሉእ ባዕሉ ክዝውሮ ካብ ዝጅምር፡ ብቅዓት ትሕስቶ፡ ጽፈት ሕጽበት ጠራሙዝን፡ ዓቀን ምቆት ናይ ቡቅሊ ኣጋንእን ካልእን፡ ብግቡእ መስርሕ ይሓልፍ ከምዘየለ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ዝረአ ዘሎ ዘይግቡእ መስርሕ ምዕሻግን ቁጽጽር ዘይብሉ ናይ ምክፍፋል ኣገባብ ውን ጠንቂ ናይ’ቲ ዝረአ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ምኳኑ’ዮም ዝጠቅሱ።፡
ፍርያት ትካል ኣስመራ ቢራ ዝኾነ ቢራን ኣረቅን፡ ግቡእ መስርሕ ምቅማም ሓሊፉ፡ ብግቡእ ኣብ ጠራሙዝ ተዓሺጉ፡ ብሃፋ ይሓልፍ ምንባሩን፡ ክሳብ ናይ 6 ኣዋርሕ ናይ ምርመራ መስርሓት ውን ይካየደሉ ከምዝነበረን ወሲኹ ዝጠቀሰ ሓበሬታ ሰብ ኣስመራ ንለውጢ፡ ሎሚ ህግደፍ ዝክተሎ ዘሎ ዘይግቡእ ኣገባብ ግን፡ ነቲ ኣልኮላዊ መስተ ኣሲዲክ ባህሪ ክህልዎ ዝገብር ብምኳኑ፡ ጥንቃቐ ከምዘድሊዮም ዝምዕዱ።