ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሃገርና ዘሎ ማዕድናት፡ ተቆጻጻርን ተሓታትነትን ዘይብሉ ይጉሕጉሖን ብስዉር ይሸጦን ከምዘሎ ተፍለጥ።
ኣብ ዝተፈላለየ ከርሲ መሬትን ማያትን ኤርትራ በብዓይነቶምን ብብዝሖምን ብርቂ ዝኾኑ ማዕድናት’ኳ እንተለዉ፡ ዛጊት ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብና ኣይወዓለን።
እንተኾነ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተፈላለየ ኩባንያታት ወጻኢ ብምዕዳም ሰፊሕ ናይ ዳህሳስን ኩዕታን ፍቃድ ብምሃብ፡ መጠኑ ዘይተፈልጠ ዘይተጻረየ ማዕድናት ከምዝተሓፍሰን ከምዝተሸጠን ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ማዕድናት ኣብ ወደብ ባጽዕን ዓሰብን ኣብ መራኽብ ጽዒኑ ናብ ንሱ ጥራይ ዝቆጻጸሮ ሃገርን ኩባንያን ብምሻጥ ሚልዮናት ዶላር ኣታዊ ከምዝረክብን ህዝቢ ኤርትራ ብጥምዩን ብዕርቑን ኣብ ማሕፉዳ ውልቀ ሰባት’ዩ ዝኸውን ዘሎ ።
ኣብ መስርሕ ኩዕታን ናብ ወጻኢ ምልኣኽን ምሻጥን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረሂወት (ክሻ) ካልኦት ውሱናትን እሙናትን ሰባት ጥራይ’ዮም ዝፈልጥዎ።
ናይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ቀንዲ እሙናትን መጋበርያን፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ቤተሰቦምን፡ ባህላውን ስፖርታውን ጉዳያት፡ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ብዝተፈላለየ ሜላ ኣብ ምዝማትን ምሕባእን ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ተዋፊሮም ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻእን ንግዳዊ ትካላት ከምዘለዎም ምስጢር ኣይኮነን።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ብኽልተ ካብ ሚእቲ፡ ድራር ተጋደልቲ፡ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት፡ መጠወሪ ኣካለ ስንኩላን ኩናት፡ መደባት ልምዓትን ካልእ ኣስማት ብምጥማቕን ካብ ህዝብና ዝምንዝዖን ዘደናግሮን ሚልዮናት ገንዘብን ኣዋርቕን ብምስጢር ኣብ ናይ ወጻኢ ባንክታት ሕሳብ ከምዝሓብኦ፡ ቅድሚ ሎሚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዊኪሊክስ (Wikileaks) ተቃሊዑ ከምዝነበረ ይዝከር።
ኣብ ሃገራት ጃባን፡ ስዑድ ዓረብያ፡ ሩስያ፡ ኢማራት፡ ቻይና ዘለዋ ኣብ ህንጻታት ባንዴራ ኤርትራ ዘንበልብላ ስማውያን ኤምባሲታትን ቆንስላዊ ጉዳያትን ጉጅለ ህግህደፍ፡ ቀንዲ ስርሐን ምስግጋር ዘይሕጋዊ ገንዘብን ንብረትን ናይ ሓሶትን ብስም ውልቀ ሰባትን ሕሳብ ምኽፋት ኢዩ።
ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ምኽንያት መእሰሪኡን ኣብ ማሕዩር ህይወቱ ምሕላፉን፡ ብዘይ ኣፍልጦ እቲ ንሱ ብሓላፍነት ዝምእክሎ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ከይተዋሳኣሉን ከይተቆጻጸሮን ምዝውዋርን መሸጣን ማዕድናት ብምቅዋም ትካላዊ ኣሰራርሓን ግሉጽነትን ክህሉን ስለዝሓተተ ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ዝሕረስ ልሙዕ መሬትን መጋሃጫን ናይ ህዝቢ መንጢሉን ካብ ዓዲታቶም ኣማዛቢሉን ዘካይዶ ኩዕታን ምሕዛእን፡ ኣብ ብከላ ከባቢ ህይወት ሰብን ጥሪትን እንስሳታትን ዕንወትን ጸገም ጥዕናን ከምዝኸውን ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጥዕናን ስክፍታኦም ክገልጹ ጸኒሖም ኢዮም።
ከምዝዝከር፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ስዑድ ዓረብያን ኢማራትን ነቲ ኣብ የመን ዘካይድኦ ዝነበራ ኩናት ንምስላጥ፡ ወተሃደራዊ መስከር ብምሃብ፡ ንኤርትራውያን ብሄረ ዓፋር ካብ ምግፋፍ ዓሳን ምእራይ ባህርያዊ ፍራያት ባሕርን ብምኽልካልን ብምምዝባልን ኣደዳ ስደትን ድኽነትን ከምዝኾኑ ገይሩዎም ኢዩ።
እዚ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ጸጋታትና ዝፍጽሞ ዘሎ ዝምታን ስርቕን ድማ ኣካል ምጽናትን ምስቃይን ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ ስርቕን ምድንጋርን ከቃልዖን ንዝምልከቶ ኣካል ክሕብርን ይግባእ።