ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ሃገሩ እስራኤል ምስ ሊባኖስ ህጹጽ ቀጥታዊ ዘተ ክትጅምር፡ ንካቢነ ሚኒስተራቱ ህጹጽ ትእዛዝ ከምዝሃበ ተገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ፡ ብቋንቋ ሂብሩ ኣብ ናይ X ሕሳቡ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፡ ካብ ሊባኖስ ብተደጋጋሚ ንዛተ ዝብል ጻውዒት ይቀርበሉ ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ነቲ ካብ ሊባኖስ ዝቀርብርሉ ዘሎ ተደጋጋሚ ጻውዒት ብምቅባል፡ ንካቢነ ሚኒስተራቱ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ቀጥታዊ ዘተ ክጅምር ከምዝሓበረ’ዩ ኣፍሊጡ ዝርከብ።
ምስ ሊባኖስ ዝግበር ቀጥታዊ ዘተ ንዕጡቅ ጉጅለ ሕዝቦላህ ዕጥቑ ኣፍቲሕካ፡ ኣብ ሞንጎ ሊባኖስን እስራኤልን ሰለማዊ ርክባት ንምምስራት ዝዓለመ ከምዝዀነ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሴፍ ውን ብወገኑ፡ እቲ እንኮ ፍታሕ፡ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ቀጥታዊ ዘተ ብምክያድ “ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ” ምግባር’ዩ ክብል’ዩ ኣብቲ ቅድሚ ነታንያሁ ዝዘርግሖ ናይ X ሓበሬቱኡ ጠቂሱ ዝርከብ።
ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሊባኖስ ሐኒን ሰይድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ሊባኖስ ብዛዕባ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ንክትዛተ፡ ኣብ’ቲ መኣዲ ዘተ ቦታ ክህልዋ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝገለጸት ኮይና፡ መንግስቲ ሊባኖስ ቶክሲ ደው ንምባል ብቀጥታ ክዘራረብ ኣገዳሲ ምኳኑ’ያ ትጠቅስ።
እቲ ሊባኖሳዊት ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸት፡ ድሕሪ’ቲ እስራኤል ኣብ በይሩት ዘካየደቶ ተከታታሊ ደብዳብ ነፈርቲ ኮይኑ፡ ብቀጥታዊ ዘተ ዘላቂ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ክብጻሕ ድሌት ከምዘለዋ’ኳ እንተገልጸት፡ ትማሊ ረቡዕ እስራኤል ኣብ ቤይሩት ዘካየደቶ ደብዳብ ግን፡ “ከቢድ ጥሕሰት” ብምባል ከምእትገልጾን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝምልከት ጥርዓን ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክለኣኽ ምዃኑን’ያ ሓቢራ ትርከብ።
እስራኤል ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ጥራሕ፡ ልዕሊ 100 እዚታትን ወተሃደራዊ ቦታታትን ሕዝቦላህ ብምውቃዕ፡ ድሕሪ’ቲ ኣጋር ሰራዊታ ናብ ሊባኖስ ዝወፈረሉ ግዜ፡ ንመጀመርታ ግዜ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ኣየር ምፍጻማ ዝጠቀሰት ኮይና፡ ይኩን እምበር በቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 200 ንጹሃን ዜጋታት ከምዝተቀትሉ’ዩ ዝንገር።
ምኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ብውሕዱ 182 ሰባት ከም ዝሞቱን፡ እቲ ቍጽሪ ውን ክውስኽ ከም ዝኽእልን ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ፡ በቲ መጥቃዕቲ 890 ሰባት ቈሲሎም ምህላዎምን፡ እቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣዝዩ ከቢድ ሓደጋ ከምዘውረደ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።