ኣብ ዙርያ ወርሒ ዝቀነዩን ተልእኮኦም ዛዚሞም ናብ መሬት ኣብ ምምላስ ዝርከቡ ጠፈርተኛታት ዳግማዊት ኣርተሚስ፡ ናብ ምድሪ ኣብ ኣጋ ምምላሶም፡ ሓያሎ ተወሰኽቲ ኣሳእልን፡ ብዙሕ ተወሳኺ መጽናዕታዊ ሓበሬታን ሒዞም፡ ናብ መሬት ክወርዱ ምኳኖም ተገሊጹ።
እቶም ኦርዮን ኣብ እትበሃል መንኰርኰር ዝቐነዩ ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት፡ ኣብ ዙርያ ወርሒ ዝነበሮም ዳህሳሳዊ ተልእኾ ዛዚሞም፡ ሎሚ ዓርቢ ረፋድ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሳንዲያጎ ክወርዱ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፡ ኣብ ኣጋ ምምላሶም ዝተወስደ ኣሳእልን መጽናዕታዊ ሓበሬታን ብዙሕ ትጽቢት ከምዝግበረሉ’ዩ ዝንገር።
ፓይለት ናይ’ቲ ተልእኾ ዝኮነ ቪክቶር ግሎቨር፡ ኣብ ጠፈር ኮይኑ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጠፈርተኛታት ዳግማዊት ኣርተሚስ ዝርኣዩዎ ዘበለ ኩሉ ንዓለም ንምንጋር፡ ተሃንጥዮም ምህላዎም ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ናብ መሬት ዝምለስሉ እዋን ምስ ተሓተተ፡ ይምለሱ ምህላዎም ውን’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ድሮ ርኢኹምዎ ከም ዘለኹም ብዙሕ ዳታ ኣቀሚጥና ኣለና፡ ይኹን እምበር ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ውን ሒዝናዮ ንመጽእ ኣለና ዝበለ እቲ ኣብራሪ፡ ዝተሰነደ ብዙሕ ተወሳኺ ኣሳእልን፡ ብዙሕ ተወሳኺ ዛንታታትን ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ዓለም ንምምላሶም ብሃንቀውታ ክትጽበ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ዙርያ ወርሒ ዝተላእከት ዳግማዊት ኣርተሚስ፡ ካብ መሬት ዝነውሐ ዝተጓዕዘት መንኮርኮር ከምእትከውን ክግለጽ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም ውጺኢቱ ነቲ ብኣፖሎ-13 ተታሒዙ ዝጸንሐ ክብረወሰን ብ400,000 ኪሎሜተር ብምስባር ታሪኽ ሰሪሓ ምህላዋ’ዩ መዝገብ ሓበሬታ ናሳ ዝገልጽ።