ኣብ ክልላት ትግራይ ዓፋርን ኣምሓራን ግምባራት ብምኽፋት፡ ንብልጽግና ኣብ መሬቱ ክስዕሮ እየ ኣብ ምባል ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህወሓት ካብ ሰፊሕ መሬት ትግራይን ኩሉ ከተማታትን ተደፊኣ ናብ ዶባት ኤርትራ ድሕሪ ምጽግዓ፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕን፡ ሕሱምን ቤት ማእሰርቲ ከሳቕዮም ንዝጸንሐ ዜጋታትና፡ ህጹጽ መደባት ታዕሊም ክወስዱ ትእዛዝ ሂቡ ምህላዉ ተገሊጹ።
ብህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑ፡ ኣብ ጫፍ ዕርበቱ በጺሑ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣትሒዙ ናብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ግጭት ብምእታው፡ ሃገርና ኣብ ዘይምልከታ ኲናት መስዋእቲ ክትከፍል ኣብ ምግባር ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ዝተወልዐ ግጭት ካብ ትጽቢት እቲ ድሑር ጉጅለ ወጻኢ፡ ብጸብለልታ ናይ ቴክኖሎጂ ዓቕሚ ሰራዊት ኢትዮጵያ እንዳተቐለሰ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልታት ናብ ዶብ ኤርትራ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት መጠነ ሰፊሕ ግፋን ክተትን ኣዋጃት፡ ከምኡ ውን ህጹጽ ናይ ታዕሊም መደባት ንእሱራት ኣብ ምእዋጅን፡ ኣብ ሸበድበድ ኣትዩ ምህላዉን’ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ዓላ ጥራሕ ገርገራን ዓዲ ሃሎን ተባሂሉ ኣብ ዝኽፈል ክልተ ቤት ማእሰርቲ ልዕሊ 4500 እሱራት ምህላዎም ዝገልጽ እቲ ሓበሬታ፡ እቶም ብዘይ ሕጋዊ ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ዜጋታት ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ናይ ጉያን ልምምድ መባእታዊ ታዕሊምን የካይዱ ምህላዎም’ዩ ዝገልጽ።
ብስም ጽምዶ ንሸውዓተ ዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ኣሰሊፉ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክወፍር ዝነቐለ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብግስ እንከይበለ ብልዕልና ናይ ቴክኖሎጂ ኲናት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘሰንብድ ጽፍዒት ክወርዶ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ድሕሪ ናይ ዕዳጋ ሓሙስ ኲናት ብህጹጽ ናብ ዶባት ኤርትራ ምምላሱ ዝገልጽ እቲ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ካብ ባድመ ከይተረፈ ኣዝሊቑ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፊእዎ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንናይ ሰብ ዓቕምን ልዕልና ቴክኖሎጂ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዝምክተሉ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ተረዲኡ፡ ኪንዮ’ቲ ብመንገዲ ኳደረ ኣወል ስዒድ ዝፍንዎ ናይ ታህዲድ መግለጺኡ፡ ብታሕቲ ታሕቲ ምስ ብልጽግና ነገራት ንምርጋእ ይሰርሕ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምናልባት ኲናት እንተተወሊዑ ግን ልክዕ ከም ናይ 1998 ኩነታት እሱራት ግዳይ ኲናት ንምግባሮም፡ ካብ ሕጂ ዘሕዝን ምድላው ይገብር ምህላዉ’ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።