
ስልጣን ካብ ዝሕዝ ድሮ 100 መዓልታት ኣቁጽሪ ዝርከብ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ንፈለማ እዋን ሓደ ትሪልዮን ዶላር ባጀት ንሚኒስትሪ ምክልኻል ከምዝሓተተ ተገሊጹ።
ብመሰረት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣቅሪብዎ ዘሎ ሕቶ ባጀት፡ ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ጥራይ ዝውዕል ናይ 1.1 ትሪልዮን ዶላር ባጀት፡ ኣብ 2026 ንሚኒስትሪ ምክልኻል ክምደበሉ ይሓትት ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ መጠን ዕብየት እቲ ባጀት ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ናይ ፈለማ ከምዝኾነንን፡ ኣመሪካ ካብ እትስልዖ ዓመታዊ ወተሃደራዊ ባጀት ናይ 13% ዕቤት ከምዘለዎን”ዩ ይንገር።
ዕላማ እቲ ግዙፍ ወተሃደራዊ ባጀት፡ ኣብ መዳያት ፕሮጀክት ሚሳይል፡ ህንጸት ወተሃደራውያን መራኽብ፡ ምምሕያሽ ኒዩክለር፡ ምክልኻል ዶባትን ካልእን ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሕ ኮይኑ፡ ወሰኽ ወተሃደራዊ ደሞዝ እውን ኣካል ናይቲ ፕሮጀክት ምኳኑ”ዩ ምምሕዳር ትራምፕ ዝገልጽ።
ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ወጻኢ ዝተመደበ ባጀት መንግስቲ ብምቅናስ ወይ ውን ደው ብምባል፡ ወተሃደራዊ ዓቅሚ እታ ሃገር ንምድጋፍ ዘኽእል ሓሳብ ከምዝቐረበ ውን ኣብቲ እማመ ዝሰፈረ ኮይኑ፡ ከም ትምህርቲ፡ ሓለዋ ከባቢ፡ ከምኡ’ውን ናይ ወጻኢ ሓገዛት ደው ብምባል ወይ ብምቅናስ፡ 163 ቢልዮን ዶላር ንምቑጣብ ከምዝተሓሰበን”ዩ ብሉምበርግ ዝገልጽ።
እቲ ትልሚ ባጀት፡ ኣመሪካ ምስ ሃገራት ዓለም ዝህልዋ ርክብ ክጎድእን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት እታ ሃገር ውን ጸገማት ከስዕብን”ዩ ካብ ዝብል ስጋኣት፡ ጠለብ ትራምፕ ግዙፍ ተቓውሞ ይስዕቦ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።