ምክትል ኣማሓዳርን ሓላፊ ጸጥታን ድሕነትን ዞባ ወልቃይትን ዝኾነ ኮረኔል ደመቀ ዘውዱ፡ ብምሉኡ ህዝቢ ኣምሓራ ነዚ ሕጂ ዝረኸቦ ናጽነት ዋጋ ከፊሉ’ዩ ክብል ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱ፡ ትማሊ ኣብ ዝተዛዘመ ስልጠና ኣባላት ኮሚቴ ምምላስ መንነት ዞባ ወልቃይት ጸገዴን ሰቲት ሑመራን ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ተረኺቡ ዘሎ ሰላምን ናጽነትን ህዝቢ ኣምሓራ ብዝከፈሎ መስዋእቲ ዝተረጋገጸ”ዩ ምባሉ፡ ኣርእስቲ ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ።
ምክትል ኣመሓዳሪ እቲ ዞባን ሓላፊ ክፍሊ ሰላምን ድሕንነትን፡ ከምኡ እውን ኣቦ መንበር ኮሚቴ ምምላስ መንነት ዞባ ወልቃይት ጸገዴን ሰቲት ሕሞራን ዝኮነ ኮረኔል ደመቀ ዘውዱ፡ ኣብ ዞባ ወልቃይት ጸግደ ሰቲት ሑመራ ዝተረኸበ ናጽነት መላእ ህዝቢ ኣምሓራ ብዝኸፈሎ ዋጋ ዝተረጋገጸ ምኳኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሎሚ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕርን መስዋእትን፡ ሓባራዊ ጽንዓትን ሓርነትን ኣመዝጊብና ኣለና ምባሉ ነቲ ገና ብሕቶ ዋንነት ዝለዓል ዘሎ ዘይተፈትሐ ጉዳይ ዞባ ወልቃይት ጸገዴ ተወሳኪ ነዳዲ ክኸውን ከምዝክእል”ዩ ዝንገር።
ንዘመናት ዛኣክል ካብ ገዛእ ርስትና እንዳተሰደድና፡ ኣርዑት ባርነት ተሰኪምና ዝጸናሕና ህዝቢ ከም ምኳንና መጠን፡ ዝረኸብናዮ ናጽነት ብሕጋዊ መንገዲ ንምርግጋጽ ሓቢርና ክንሰርሕን ክንወሃሃድን ይግባእ ዝበለ ኮረኔል ደመቀ ዘውዱ፡ ሽማግለ መንነት፡ ናጽነትና ንምርግጋጽ ኣበርቲዑ ተቓሊሱ፡ ብዙሕ ጸገማት ሰጊሩ፡ ፍረ ፈሪዩ ብናጽነት ብሓባር ክንራኸብ ኣኪኢሉና ኣሎ ዝበለ ኮይኑ፡ ቃላት እቲ በዓል ስልጣን ምስ ጉዳይ እቲ ዞባ ብዝተሓሓዝ ተወሳኪ ነድሪ ክፈጥር”ዩ ዝብል ስጋኣት ኣቀሚጡ ምህላዉ”ዩ ዝእመን።
ኮነሬል ደመቀ ኣብ መደምደምታ፡ ኮሚቴ ምምላስ መንነት ኣምሓራ፡ መንነታዊ ቃልስና ብሕጋዊ መንገዲ ንምርግጋጽ ክኸዶ ዝጸንሐ ጉዕዞ ንምድጋፍ፡ ሓቢርና ክንሰርሕ ይግባእ ዝብለ ኮይኑ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ኣቶ ኣሸተ ደምለው ብወገኑ፡ ቃልስና ንሓቅን ፍትሕን ዝግበር ቃልሲ ስለዝኾነ፡ ዕዳና ናብ ዝቅጽል ወለዶ ንኸይሰግር፡ ሕድሪ ሰማእታት ብምቕጻል ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኣለና ድሕሪ ምባሉ፡ ህዝቢ ወልቃይት ጸገደ መንነቱ ክቕየር ዘይክእል ብተፈጥሮ ዝተዋህቦ ኣምሓራዊ መንነት ኣጽኒዑ፡ ንዓመታት ክቃለስን ከሳደድን ዝጸንሐ ህዝቢ”ዩ ክብሉ ምግላጾም፡ እቲ ዞባ ፈከም እንዳበለ ዝዓርግ ተወሳኪ ግጭት ይዕድም ከይህሉ ስጋኣት ፈጢሩ ይርከብ።
ዞባ ወልቃይት ጸገዴ፡ ቅድሚ ኲናት ትግራይ ኣብ ዝነበረ ግዚያት ብሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ግዛኣት ክልል ትግራይ ዝምእከል ዞባ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ካብ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ኣትሒዙ፡ ኣብ ትሕቲ ግዛኣት ክልል ኣምሓራ ይመሓደር ብምህላዉ፡ ነቲ ብውዕል ፕሪቶርያ ደው ዝበለ ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ከይውልዖ ብኸቢድ ዝስጋእ ዞባ ምኳኑ”ዩ ዝንገረሉ።