ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት (ICC)፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ዝተፈጸመ ገበናት ኲናት፡ ምስ መራሕቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ዘተኣሳስር “ጭቡጥ መርትዖ” ከም ዝረኸበ ምክትል ዓቃብ ሕጊ እቲ ቤት ፍርዲ ናዝሃት ሻሚም ኻን ገሊጻ።
ናዝሃት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ICC፡ ኣብ ከተማ ኤል-ፋሸርን ከተማ ኤል-ጀነይናን፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ንዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ኣመልኪቱ ዘካይዶ ዘሎ መርመራ፡ ርኡይ ምዕባለ ከም ዘመዝገበ ኣፍሊጣ።
ፍትሒ ምርግጋጽን፡ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራብን ግዜ ክወስድ ይኽእል’ዩ፡ ይኹን እምበር ኣብኡ ምብጻሕና ግን ዘይተርፍ እዩ ዝበለት ኻን፡ መራሕቲ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ምስቲ ዝተፈጸመ ኣስካሕካሒ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ቀጥታዊ ምትእስሳር ከምዘለዎም’ያ ገሊጻ ትርከብ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓውሲ ምልሻ- ዕጡቓት ጕጅለታት ዳዕመል ሰሪዕ፡ ንከተማ ኣልፋሸር ኣብ ዝተቘጻጸርሉ እዋን፡ ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ኤል-ጀነይና ድማ ተመሳሳሊ ህልቂት ብምፍጻም ክኽሰስ ምጽንሑ ውን ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ ፡ ዳዕመል ሰሪዕ ግን ክቐርበሉ ንዝጸንሐ ክስታት ምንጻጉ ኣይርሳዕን።
ትማሊ ረቡዕ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ጕጅለ መርማሪ ሕቡራት ሃገራት’ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ግጭት ሱዳን ብዕጡቓት ዳዕመል ሰሪዕን ሰራዊት ሱዳንን ሰፊሕ ግፍዒ ከም ዝተፈጸመ፡ መረጋገጺ መርትዖታት ረኺበ ዝበለ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ገበናት ኲናት ምፍጻሞም እዩ ዝኸስስ።
ኻን ብዛዕባ መርመራ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ICC ኣመልኪታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ባይታ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት፡ ምስ ገለ መሪሕነት ዳዕመል ሰሪዕ ብቐጥታ ምትእስሳር ከም ዝከኣል ዝጠቐሰት ኮይና፡ ብመሰረት ዝተገብረ መጽናዕቲ ጭቡጥ መርትዖ ንምርካብ ተኻኢሉ ምህላዉ’ያ ወሲኻ ትገልጽ።
ኲናት ሱዳን ኣብ ወርሒ ምያዝያ 2023 ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ብዝተፈጸሙ ግፍዕታት ዝሕተት ኣካል መዓስ ክሲ ክቐርበሉ ከም ዝኽእል ዘየነጸረት ኻን፡
ብኸመይ ከም ዝቕልጥፍን፡ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድን, ሕጂ ክንዛረብ ኣይንኽእልን ክትብል’ያ ገሊጻ ትርከብ።