ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ስደት ዝዋጻእ ናይ መኸተ ገንዘብ ብምስጢር ክተሓዝ ኣዚዙ።
ኲናት ብምእጓድን፡ ብስም ልኡላውነት ሃብቲ ህዝብን ሃገርን ብምዝማት ዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ፡ ስልጣኑ ንምድልዳል ብስም መኸተ ካብ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝእክቦ ዘሎ ገንዘብ ብምስጢር ክተሓዝ ኣዚዙ ምህላዉ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ስልጣኑ፡ ምኽባር ልኡላውነት፡ ምድሓን ሃገርን መኸተ ወራርን ዝብል ጉልባብ እንዳፈጠረ፡ ህዝብና ገንዘብ ከስገድድ ምጽንሑ ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ ከም መቐጸልታ ናቱ እዚ ስልጣኑ ንምድልዳል ካብ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝእክቦ ዘሎ ገንዘብ፡ ብምስጢር ክተሓዝን ዝርዝራዊ መረዳእታ ናብ ህዝቢ ከይቀርብን ጌሩ ምህላዉ’ዮም ዘረጋግጹ።
ዝሓለፈ 35 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰል ብምርጋጽን ሃብቲ ብምግባትን ዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብጉልባብ ህዝባዊ መኸተ ንምክልኻል ሃገር፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ኤርትራውያን ገንዘብ ንምእካብ ጎስጓስን ኣኼባታትን የካይድ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ነቲ ብድኹም ጎኒ ኤርትራውያን ኣትዩ ዝረኽቦ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ብምስጢር ክሕዞ ምምራጹ ናብ ጁባ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ክኣቱ ስለዝተደልየ እዩ ዝብል እምነት እኮ እንተሎ፡ ገለ ገለ ግን ከምቲ ናይ ቀደም ብሚሊዮናት ዝቝጸር ገንዘብ ካብ ህዝቢ ይረክብ ብዘይምህላዉ፡ ቁጽሪ ዝኣከቦ ገንዘብ ክሓብእ ተገዲዱ ምህላዉ’ዮም ዝሰማምዑ።
እቲ ጉጅለ፡ ብመንገዲ እሙናት ካድራቱን ብማዕከናት ዜናታቱን ኣቢሉ፡ ዝርዝር ኣስማት ገንዘብ ዝሃባ ከተማታትን ውልቀሰባትን ብምጥቃስ፡ ንኻልኦት ከራሳስንን ከተባብዕን ጎስጓስ ክገልጽ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ካብ ሕጂ ንኔው ሓበሬታ ከይወሃብ ትእዛዝ ከምዘውረደ እዩ እቲ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
እቲ ንኲናትን መደልደሊ ስልጣን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ተባሂሉ ካብ ህዝቢ ዝእከብ ዘሎ ገንዘብ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ዝተኣኻኸብ ቀረጽ ዘይክፈሎን፡ ብሕጽበተ ገንዘብ ወይ money loundry ዝጥመት ስለዝኾነ፡ ኪንዮ’ቲ ዘሰከፎ ዋሕዲ ናይቲ ገንዘብ፡ ሕጋዊ ክሲ ንኸይምስረተሉ ብምስጋእ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንኸይቃላሕ ዘዋሪ መልእኽቲ ኣማሓላሊፉ ከምዘሎ’ዮም ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ናብ ኣገልግሎት ሳተላይት ኤሪፒኤም ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ዘረጋግጹ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ንብረትን ትካልን ንዘለዎም ዜጋታት ብምፍርራሕን ብምትላልን፡ “ሃገርና ብሰልፊ ብልጽግና ትውረር ስለዘላ ገንዘብ ኣዋጽኡ” ኢሉ ኣዚዙ ከብቅዕ፡ ኣብ ማዕከናት ዜናታቱ ግን ዝተኣከበ ገንዘብ ኢሉ ካብ ምጥቃስ ተቖጢቡ ምህላዉ ኣብ ሓበሬታኦም ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ እቶም ዜጋታት ንህሉው ኩነታት መሰረት ዝገበረ ሰሚናራት የካይዱ ምህላዎም’ዩ ከደናግር ዝፍትን።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ልኡላውነት ኤርትራ ንምድፋር ዘካይዶ ዘሎ ዕንደራ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቂሙ፡ ነቲ ብድኽነትን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ዝረግጾ ዘሎን፡ ዜጋዊ ክብሪ ሂብዎ ዘይፈልጥን ዜጋ ብምስግዳድ ገንዘብ ይእክብ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ውልቀ መለኽቲ እዛ ዓለም፡ ብዝኣከብዎ ገንዘብ ክድሕኑ ዘረጋግጽ ዛንታ ክሳብ ዘይሃለወ፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስን ጉጅለኡ ህግደፍን ውን፡ ብገንዘብ ህዝቢ ዝቕንይሉ እምበር ካብ ውርደት ዝተርፍሉ ዕድል ከምዘይህሉ’ዮም ምንጭታትና ዝጠቕሱ።
እቲ በለጸኛ ጉጅለ፡ ኣብ ደገ ኣብ ነፍስ ወከፍ ከተማ ገንዘብ ዝእክቡን ናይ ተወሪርና ዘመተ ዘካይዱን ሽማግለታት ኣቝሙ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብቶም እኩይ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ንምትግባር ዝነጥፉ ዘለዉ ጉሓላሉ ውልቀሰባት፡ ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ፖለቲካዊ ዕቝባ ዝሓተቱን ካብ ዝነብሩለን ሃገራት ብረድኤት ዝነብሩን ምዃኖም’ውን እዩ እቲ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ኣብ መደምደምታ፡ ኣብ ግዳም ዝነብር ህዝብና፡ ህግደፍ ብገንዘብ ዝድሕነሉ ዕድላት ከምዘየለ ተረዲኡ ገንዘቡ ካብ ምድርባይ ክቚጠብ ዝመኸሩ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ውን፡ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ኲናትን ጥፍኣትን ጎስጓስን፡ ምእካብ ገንዘብን ከቃልዕ፡ ንዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ከቕርብን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሰሚናራት ዝተዘርበ ጭቡጥ ናይ ጽልእን ኲናትን ዘመተን ጭርሖታት፡ ከምኡ ውን ዝተዋጽአ ገንዘብን ዘረጋግጽ ሰነድ ክሕዝ ሓላፍነት ክወስድ ጸዊዖም።