ሓሙሽተ ደሞክራሲያውያን ሰነተራት ኣመሪካን ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮን፡ ኢትዮጵያ ወደብ ኤርትራ ንዝዀነ ዓሰብ ብሓይሊ ንምቍጽጻር እትገብሮ ዝዀነ ይዅን ፈተነ፡ ብኣሜሪካ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ብንጹር ክቕመጥ ጸዊዖም።
እቶም ሰነተራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ናብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳቤ ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እናዓረገ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ፡ ናብ ዝሰፍሐ ዞባዊ ግጭት ከምርሕ ከምዝኽእል ዘጠንቀቑ ኮይኖም፡ ነዚ ንምቍጽጻርን ኲናት ደው ንምባልን፡ ህጹጽ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ክግበር ከምዝግባእ’ዮም ዘተሓሳስቡ።
ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘለዎም ድሌት ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዕሊ ክገልጹ ምጽንሖምን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ውን እንተኾነ ፡ ብውዲ ይኹን ብግዲ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብና ዘይተርፍ እዩ ክብል ተሪር ቃላት ወርዊሩ ምንባሩን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣሜሪካ ነዚ ኣካይዳ እዚ ደገፍ ክትህቦ ከምዘይኮነት ብወግዒ ከተፍልጥ’ዮም ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ዝገልጹ።
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ውን ተመሳሳሊ፡ ምክትል ኣድሚራል ክንዱ ገዙ ዝርከብዎም ሓያሎ ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ፡ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ እንተደኣ ዘይተዓዊቱ፡ ወላ ውን ብሓይሊ ወደብ ዓሰብ ናብ ሃገራ ምምላስ ዘይተርፍ’ዩ ምባሎም ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ብወገን ኢትዮጵያ ዝድርበ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ቃላት፡ ኪንዮ ሓደግኡ ንጉጅለ ህግደፍ ዘይወግዓዊ መናውሒ ስልጣን ኮይኑ ከገልግል ምዃኑ’ውን ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።
ማዕከናት ዜና ህግደፍ ኣብ ናይ ትሽዓተ ሕዳር ሓተታአን፡ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ወይ ቍጠባዊ ረብሓ ብዝብል ምኽንያታት፡ ሉኣላዊ ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ ንምድፋር ብወገን ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ዘመተ፡ ንዓለምለኻዊ ሕግታትን ቻርተር ሕብረት ኣፍሪቃን ዝጥሕስ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ነዚ ስዒቦም መጸዋዕታ ዘቕረቡ ሓገግቲ ሕጊ ኣሜሪካ ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ናብ ወደብ ዓሰብ ንምእታው ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ፡ ብኣሜሪካ ደገፍ ወይ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ብንጹር ክፍለጥ ኣለዎ ዝበሉ ኮይኖም፡ ሃገሮም ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ከተጥቅዕ ፍቃድ ክወሃባ ከምዘይኮነ ብንጹር ክቕመጥ’ዮም ዝጽውዑ።