ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ህወሓት፡ ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝቐረበን ፡ ንህወሓት ምስ ህግደፍን ሱዳንን ብምትእስሳር ዝኸሰሰን መግለጺ፡ ነጺግዎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብታት ኢትዮጵያ ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ህወሓት፡ ህግደፍን ሱዳንን ሓባራዊ ልፍንታዊ ጥምረት ብምምስራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምውጋእ ሓቢሮም ይሰርሑ ምህላዎም ምኽሳሱ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንቃላት እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣመልኪቱ ኣብ ዘቐመጦ ናይ ግብረመልሲ መግለጺ፡ ፍጹም ካብ ሓቂ ዘርሓቐ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብቲ ንባይቶ ተወከልቲ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሓይልታት ህወሓት፡ ህግደፍን፡ ሱዳንን፡ ንመንግስቲ ንምውጋእ ብሰፊሑ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ምባሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ውድብ ህወሓት ዝኾነ ይኹን ዕላማ ዘይብሉ፡ ብካልኦት ተላኢኹ ናይ ካልኦት ዕላማ ዘተግብር ፈጻሚ ኣካል ምዃኑ ዝጠቅስ ቃላቱ፡ ኣብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ቁጠዐ ምፍጣሩ እዩ ዝንገር።፡
ኣብይ ኣሕመድ ንእዋናዊ ኩነታት ትግራይን ዞባዊ ወጥርታትን ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ መብርሂ፡ ብግብጽን ጉጅለ ህግደፍን ዝዝወር ዘሎ ውድብ ህወሓት ቀልቢ እንተገዚኡ፡ ኢትዮጵያ ንምዝርራብን ሰላም ንምፍጣርን ጻዕሪ ከምእትገብር ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ክልቲኦም ሓይልታት ህግደፍን ህወሓትን፡ ዕላማ ካልኦት ሓይልታት ንምትግባር ይሰርሑ ምህላዎም ዝኸስስ ኮይኑ፡ ህወሓት ብወገኑ መደረ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
ጉጅለ ህግደፍ ከም ለዓት ዕንጨይቲ፡ ህወሓት ከኣ ከም ፋስ መኹዓቲ ብምዃን ፡ ሰላምን ርግኣትን ኢትዮጵያ ንምህዋኽ፡ ዕላማ ፋስ ዝሕዝ ኣካል ንምዕዋት ይጽዕሩ ምህላዎም ዝገለጸ ኣብይ ኣሕመድ፡ ለኣኽቶም ስለንፈልጦም ምስ ፋስን ዕንጨይትን ምቁያቅ ጥቕሚ የብሉን ምባሉ ውን ዝዝከር ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ክትፈርስ እያ ዝብል ትረኻ ቅድሚ ዓመታት ዝነበረ ትረኻ ምዃኑ ወሲኹ ዝገለጸ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ትግራይ ሓድሽ ኲናት ንኽለዓል ሰፊሕ ድሌት እኳ እንተሃለወ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን መኽሰብ ከምዘይብሉ ስለዝኣምን ፡ ነቲ ኲናት ከም ዝነጸጎን፡ ዝኾነ ይኹን ሸውሃት ከምዘይብሉን’ዩ ዝገልጽ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝርከብዎም መንእሰያት ብግዴታ ብምግፋፍ፡ ናብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት የሰጋግሮምን፡ ከም ባሮት ይሸጥዎምን ኣለዉ ክብል ዝኸሰሰ ኣብይ፡ መራሕቲ ህወሓት ብወገኖም እቲ ምንቅስቓስ “ብሰናይ ፍቓድ” ዝግበር ዘሎ፡ ስግኣት ብሄራዊ ህልውና ዘንቀሎ ስልጠና እዩ ክብሉ ዝጣበቑ እኳ እንተኾኑ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን ምሻጥ ዜጋታት ምዃኑን ፡ ንትግራዋይ ካብታ ህወሓት ይሓልየላ እየ ዝብል ትግራይ ንላዕሊ፡ ኣዲስ ኣበባን ጎንደርን ሃዋሳን ዝያዳ ሰላም ከምዝህባ እዩ ዝገልጽ።
ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቃላቱ፡ ንጉጅለ ህግደፍ፡ ህወሓትን፡ ሱዳንን ብተሪር ቃላት ዝነቐፈ ኮይኑ፡ ይትረፍ ዶ ሻዕብያ፡ ወያነን ሱዳንን፡ ካልእ እውን እንተ ተወሰኸ፡ ኣብ ልዑላውነት ኢትዮጵያ ቅንጣብ ስግኣት ከምዘየለ እዩ ዝገልጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ምትኹታኽ ንምክልኻል ዘኽእል ዓቕሚ ይሃንጽ ምህላዉ ዝጠቐሰ ኣብይ፡ ሰለስቲኦም ሓይልታት ህግደፍ፡ ህወሓትን፡ ሱዳንን፡ ንኢትዮጵያ ካብ ምርባሽ ወጻኢ ዝዕወት ዕላማ ከምዘይብሎም ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ከምዘይትፈርስ፡ እኳ ዳኣ ንዝወደቑ ከተልዕል ከምዝኮነት እዩ ዝጠቅስ።
ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ፡ ንቃላት ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ስዒቡ፡ ብመንገዲ ኣፈኝኡ የማነ ቻርሊ ኣቢሉ ናይ ግብረመልሲ ቃላት ዝወርወረ ኮይኑ፡ ምፍርራሕ፡ ምትላል፡ ናይ ሓሶት ወረን ምድንጋርን፡ ቀንዲ መሳርሒታት ስርዓት ብልጽግና ምዃኖም ድሕሪ ምግላጹ፡ እቲ ስርዓት ባዕሉ ንዝፈጠሮም ውሽጣዊ ቅልውላዋት ንምሽፋንን፡ ልኡላውነት ጎረባብቲ ሃገራት ንምግሃስን፡ ዝጥቀመሉ ብልሓት ምዃኑ ዝኸስስ ኮይኑ፡ እግሪ እግሪ ህግደፍ ንቃላት ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ዝነጸገ ሕወሓት ብወገኑ፡ መንግስቲ ፌደራል ገበናቱ ንምኽዋል ይቃለስ ምህላዉን፡ እቲ ዝቐረበ ክሲ ንጹግ ምዃኑን እዩ ዝገልጽ።
ውድብ ህውሓት ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ እቲ ውድብ ባዕሉ ንጎንጺ ዝዓደሞ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ከምዘየለ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ እዚ መሰረት ኣልቦ ክሲ እዩ ድሕሪ ምባሉ፡ ቃላት ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ትግራይ ንምጥቃዕ ብዕላማ ዝተገብረ ምዃኑ’ዩ ኣመልኪቱ ዝርከብ።
ወሃቢ ቃል ህውሓት ኣቶ ሚካኤል ኣስገዶም ብወገኑ፡ ንማዕከን ዜና ንዶቸ ቨለ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንሕና ብገዛእ ዓቕምና ንተኣማመን ኢና ዝበለ ኮይኑ፡ ነቲ ስርዓት ዝቃለስ ካልእ ኣካል እንተሃለወ እውን መሰሉ እዩ ኢሉ ከምዝኣምን ድሕሪ ምግላጹ፡ መደረ ቀዳማይ ሚኒስተር መሰረት ኣልቦ ምዃኑ’ዩ ወሲኹ ዘረድእ።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ነጊሱ ንዘሎ ወጥሪ ስዒቡ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ መንጎ ህወሓትን ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ውዕል ፕሪቶሪያ፡ ኣብ ሓደጋ ንከይወድቕ መንግስቲ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን፡ ከምኡ እውን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ማሕበረሰባት ስግኣቶም ምግላጾም ዝዝከር ኮይኑ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ግን፡ ኢትዮጵያ ኣይትወድቕን እያ፡ ነቶም ዝወደቑ እውን ከተልዕሎም እያ ብምባል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዀነ ይኹን ስግኣት ከምዘይብሉ’ዩ ኣብቲ ናይ ፓርላማ መደርኡ ዝገልጽ።