እስራኤል ድሕሪ”ቲ ኣብ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርታ እታ ሃገር ብሚሳይላት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ዕጡቅ ጉጅለ ሑቲ የመን ናይ ግብረመልሲ ዓጸፋዊ ስጉምቲ ክትወስድ ምኳና ገሊጻ።
ፖሊስ እስራኤል ድሕሪ”ቲ ፍጻመ፡ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ነቲ ካብ የመን ዝተተኮሰ ናይ ሚሳይላት መጥቃዕቲ ንምምካን ኩሉዓይነት ፈተነ ከምዘካየደ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ከባቢ ማእከላይ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ወዲቑ ቀሊል ዘይበሃል ዕንወት ድሕሪ ምውራዱ፡ እስራኤል ዓጸፋዊ መልሲ ንክትህብ ተገዲዳ ምህላዋ”ዩ ዘረድእ።
እቲ ብዕጡቅ ጉጅለ ሑቲ ናይ የመን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ቐንዲ መዓርፎ ነፈርቲ እስራኤል ቀሊል ዘይበሃል ዕንወት ኣዋሪዱ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብዘይካ”ቲ ኣብ ንብረትን ትሕተቅርጽን እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዘከተሎ ዕንወት፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝነበሩ 6 ሰባት መቁሰልቲ ከምዘውረደን፡ ስሩዕ በረራታት እታ ሃገር ውን ደው ከምዘበሎን”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ድሕሪ”ቲ ፍጻመ ወግዓዊ መግለጺ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ብወገኑ፡ ነቲ መጥቃዕቲ መቀጸልታ ናይቲ ብሽበራውያን ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝካየድ ምትኹታኽ”ዩ ክብል ዝገለጾ ኮይኑ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ዕጡቅ ጉጅለ ሑቲ የመን ኩለመዳያዊ ምላሽ ንምሃብ ቅርብቲ ምህላዋ”ዩ ኣፍሊጡ ዝርከብ።
ሰራዊት እስራኤል፡ እቲ ኣብ ጥቓ መዕርፎ ነፈርቲ ተልኣቪቭ “ቤን ጉርዮን” ዝዓለበ ሚሳይል፡ ካብ የመን ዝተወንጨፈ ምኳኑ ከምዘረጋገጸ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ብኲናት ኣብ ዝተሃስየ ዞባ ጋዛ ንዝርከቡ ፍልስጤማውያን ኩለንተናዊ ደገፍ ክህብ ምኳኑ ኣብ ምግላጽ ዝጸንሐ ዕጡቅ ሓይሊ ሑቲ ብወገኑ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምሉእ ሓላፍነት ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ ይርከብ።
ሓላፍነት ዝወሰደ ዕጡቅ ጉጅለ ሑቲ የመን፡ ንቐንዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ እስራኤል ቤን ጉርዮን ዒላማ ብምግባር፡ ሃይፐርሶኒክ ባሊስቲክ ሚሳይል ተጠቂሙ ዝፈጸሞ ወተሃደራዊ ስርሒት ምዃኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ካትዝ ብወገኑ፡ እስራኤል ንነፍሲ ወከፍ መጥቃዕቲ ሸውዓተ ዕጽፊ ምላሽ ክንህበሉ ምኳና ክፍለጥ ይግባእ ክብል መጠንቀቅታ ምሕላፉ፡ ፍራንስ 24 ገሊጹ።