ብማእከልነት ጉጅለ ህግደፍ ተፈጢሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝቖመን፡ ንሸውዓተ ዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝሓቁፍን ኪዳን-ንህልውና፡ ካብ ዝምስረት ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ዘውጽኦ ካልኣይ መግለጺ፡ ንእዋናዊ፡ ሃገራዊ፡ ዞባዊ፡ ከምኡ ውን ንኩነታት ኣሰላልፋ ሓይልታት ከምዝገምገመ ኣፍሊጡ።
እቲ ንቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ንምውራድን፡ ንኹሉ-ዝሓቍፍ “መሰጋገሪ መንግስቲ” ንምቛምን ዝዓለመ ሓድሽ ናይ ጥምረት ኪዳን፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ መግለጺኡ ድሕሪ ምምስራቱ ናይ መጀመርታ ወግዓዊ ኣኼባ ከምዘካየደ ዘፍለጠ ኮይኑ፡
እቲ ኪዳን ህዝባዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህልውና ብዝብል ስም ዝተፈጥረ ምትእኽኻብ ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ሱዳን ወይ ኣብ መሬት ኤርትራ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ ምህላዉ ዝንገር ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ኣብ መግለጺኡ፡ መግለጺ ዝሃበሉ መደበሩ ንጹር ኣይገበረን።
እቲ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ ሓድሽ መደብ- ትግራይ ሚድያ ኮርፖሬሽን (ኦንላይን) ዝተመሓላለፈ መግለጺ፡ ኣቦ-መንበር እቲ ምእትእኽኻብን መራሒ ምንቅስቓስ ፋኖ-ኣምሓራን ብዝኾነ ዘመነ ካሴ ዝተነበበ ኮይኑ፡ ኣብ መግለጺኡ ሓይልታት ኣሰላልፋ እዚ ዞባ ከምዝገምገመን፡ ናይ ማእከላይ እዋን መደብ ከምዝውጽአን ዝሕብር።
እቲ ጥምረት ኣብ መግለጺኡ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መግዛእቲ ‘ምልካዊ ስርዓት’ ሰልፊ ብልጽግና ወዲቓ፡ “ህዝባ ኣደዳ ምምዝባልን ድኽነትን ኰይኑ ምህላዉ ዝጠቐሰ ፡ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ኦሮምያን ብዘሎ ኲናት፡ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ዜጋታት ዝተቐንጠጠ፡ ከም ህዝቢ ብህይወት ናይ ምንባር መሰሎም ተሓዲጐም ምህላዎም ዘንጸባረቐን ምዃኑ’ዩ ወሲኹ ዝኸስስ።
“ኪዳን ህዝባዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህልውና”፡ ወተሃደራዊ ኪዳን ሸዉዓተተ ሓይልታት ከምዝመስረተ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ሳልስቱ ዳግማይ ግጭት ትግራይ ከምዝተወልዐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በቲ ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ዝተጀመረ ግጭት፡ ሓይልታት ትግራይ ብቐሊሉ ተደፊኡ፡ መራሕቲ ህወሓት ካብ ርእሰ ከተማ መቐለ ምስ ሰሓበ፡ ጥሙር ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይሊ ሰላም ትግራይን፡ ንኣብዝሓ ከባቢታት ትግራይ ከምዝተቆጻጸረ ዝዝከር’ዩ።
“ኪዳን ህዝባዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህልውና”፡ ብስም ጽምዶ ተበጊሱ ብጉጅለ ህግደፍ ተመስሪቱ፡ መንግስቲ ኣራት ኪሎ ንምውዳቕ ዝዓለመ ወተሃደራዊ ጥምረት ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንዘመናዊ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ምምካት ስኢኑ ንሰሙናት ናብ ዶብ ኤርትራ ድሕሪ ምጽግዑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ሰፊሕ ናይ ክተት ኣዋጃት ኣብ ምእዋጅ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።