
ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብ 7 ግንቦት 2025 ኣብ ከተማ ሎንደን ኣብ ዘቃንዖ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት፡ ንስግረዶባዊ ጸቅጢ ኣመልኪቱ ምስ ዓበይቲ ወጻእተኛታት ጋዜጠኛታት፡ ተጣበቅቲ ሰባኣዊ መሰላት፡ ፖለቲከኛታትን ዲፕሎማሰኛታትን ሰፊሕ ዛዕባታት ዘልዓለ ዕዉት ዘተ ከምዘካየደ፡ ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ኣባላት ኤሪፒኤም ገሊጾም።
ኣብ’ቲ ብብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ዝተወደበ ዓቢ ዲፕሎማሲያዊ ዘተ፡ ጋዜጠኛን ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማርቲን ፕላውት፡ ጸሓፊትን ተጣባቂት ሰባኣዊ መሰላትን ሰላም ኪዳነ፡ ጋዜጠኛን ደራሲትን ሚካኤላ ሮንግ፡ ነርዌጃዊ ፖለቲከኛ ፊን ቮገ፡ ሽወደናዊት ፖለቲከኛ ኦሳ ኒልሶንን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ዲፕሎማሰኛታት ዝተረኽቡ ኮይኖም፡ ኣብ ኢንግሊዝ ዝመደበረን ዓበይቲ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን መደበራት ማዕከናት ዜና ውን፡ ነቲ ዓቢ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ሸፈነ ከምዝሃቦኦን”ዩ ዝረከኸብናዮ ሓበሬታ ዘረድእ።
እቲ ኣብ ቃልሲ ብርጌድ ንሓመዱ ዓቢ ዝላ ንቅድሚት ምኳኑ ዝንገረሉ ዲፕሎማሲያዊ ዘተ፡ ኣወሃሃዲት መደብ ሜሪ ማግደላን ደበሳይ፡ ብዘቅረበቶ ናይ ምስጋና መክፈቲ ቃልን፡ ንስግረዶባዊ ጸቅጢ ኤርትራውያን ብዝገልጽ ሰነዳዊ ፍልምን ተሰንዩ ዝተኸፍተ ኮይኑ፡ ቀጺሉ ውን መራሒ plan A ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ዝኾነ ኣቶ ሰንጋል ዛይድ ብዘቅረቦ መደረ፡ ስግረዶባዊ ጸቅጢ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብከመይ ከምዝፍጸምን፡ ንሱ ዝመርሖ Plan A ዘለዎ መርገጺታትን ዘብርህ መግለጺታት ንዕዱማት ተሳተፍቲ ከምዝቀረበ”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ሓደ ካብቶም ኣብቲ ዲፕሎማስያዊ ዘተ ወረቐቶም ሒዞም ዝቐረቡ ኪኢላታት፡ ካብ ሰማንያታት ኣትሒዙ ምስ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ከምዝተላለይን፡ ካብቲ ሰዓት ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ንፖለቲካዊ ምዕባለታት ኤርትራ ብጥልቀት ከምዝዕዘብን ዝገለጸ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማርቲን ፕላውት፡ ኤርትራውያን መንእሰያት በብመድረኹ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ከካይድዎ ዝጸንሑ ናይ ቃልሲ መደባትን በቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ክወርድ ዝጸንሐ ስግረዶባዊ ጸቅጥን ተከታቲሉ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ከቅርብ ምጽንሑ ዝጠቐሰ ኾይኑ፡ ይኩን እምበር መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብሸለልትነት ክሪኦ ምጽንሑ ብምክሳስ፡ ኣብ መጻኢ መደባት ክኾኑ ኣለዎም ዝበሎ ሓሳባት ኣቅሪቡ።
ንማርቲን ፕላውት ተኸቲላ ወረቐታ ዘቕረበት ተጣባቒት ሰባኣዊ መሰላት ሰላም ኪዳነ፡ ስግረዶባዊ ጸቅጥን ሳዕቤናቱን ዝገልጽ ሰፊሕ መደረ ድሕሪ ምቅራባ፡ ስነኣእምሮኣዊ ጸቅጥን ኣገባብ ኣፈዋውሱኡን ድሕሪ ምግላጽ፡ መንግስቲ ብርጣንያ ርዲኢቱ ኣብ ስግረዶባዊ ጸቅጢ ከመይ ክኸውን ከምዝግቦኦ ዝገልጽ ሓሳብ ዘቅረበት ኮይና፡ 1996 ናብ ኤርትራ ዝበጽሐትን፡ ኤርትራ ተስፋ ዝነበራን ወጻእተኛታት ወፍሪ ንኽገብሩላን ትዕድም ሃገር ምንባራን ዝገለጸት ጋዜጠኛ
ሚካኤላ ሮንግ ብወገና፡ እቲ ኣብቲ እዋን ዝረኣየቶ ተስፋታት ኩሉ ሃጢሙ፡ ኤርትራ ኣብዚ ሰዓት ኣብ ትሕቲ ሕሱም ውልቀምልካዊ ምሕደራ ወዲቓ ምህላዋ ገሊጻ።