ብዝፍጽሞ ኣረሜናዊ ተግባራት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንኤርትራ ንዘለዎ ዝኽሓነ ጽልኢ ዘረጋግጽ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን ኣብ ብከባቢ መረብ ኣቢሎም ናብ ትግራይ ንምስጋር ኣብ ልዕሊ ዝፈተኑ ዜጋታት ብዝፈነዎ ኣድራጋ ጠያይት ኣርባዕተ ዜጋታት ከምዝተቀትሉን፡ ልዕሊ 100 ዝቁጽሮም ቆልዓ ሰበይትን ሽማግለታትን ዝርኸብዎም ዜጋታት ውን በቲ ጉጅለ ተታሒዞም ብኢሰባኣዊ ግፍዕታት ናይ’ቲ ጉጅለ ይሳቀዩ ምህላዎም ምንጭታትና ካብ ከባቢ መረብ ኣብ ዝለኣኩልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳከፈአ ብዝከይድ ዘሎ ክብደት መነባብሮን ጭቆና ስርዓት ህግደፍን ተማሪሩ፡ በብዝረከቦ ዕድላት ነብሱ ንከድሕን፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ቁጽሪ ንስደት የምርሕ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ብደረጃ ሃገር ንዝገብሮ ዘሎ ናይ ግፋ መደባት ስዒቡ፡ ቁጽሪ ስደት ዘምርሑ መንእሰያት መሊሱ ብምውሳኩ፡ እቲ ጸረ ህዝቢ ዝኮነ ጉጅለ ናይ ተመልከተለይ ተኩሲ ኣብ ዶባት ይፍጽም ምህላዉን መዓልታዊ ዜጋታት ይቀትል ምህላዉን”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
እቲ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ዜጋታት ዝተፈጸመ ኣሰቃቒ መቅተልቲ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ 5ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ምኳኑ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ብፍላይ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝጀመሮ ኣልማማ ግፋ ብዙሓት መንእሰያት ሃገር ክገድፉ ገዲድዎም ብምህላዉ፡ ኣብ ከባቢታት መረብ ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ጨካን ስጉምቲ ክወስድ ገዲድዎ ምህላዉ”ዮም ዝጠቅሱ።
ውድብ ህወሓት ኣብ ፖለቲካ ጽምዶ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ጽምዶ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኣብ ወሰናስን ዶባት ዝርከብ ሰራዊት ትግራይ፡ ነቲ ዶብ ጥሒሱ ብዕድል ኣምሊጢ ዝመጾ ዘሎ ውጹዕ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ናብ ጉጅለ ህግደፍ የረክቦ ምህላዉ፡ ነቲ ናይ ሎሚ ፍጻመ ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻመ ከምዝገብሮ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ኩሉ ዝጸበቦ መንእሰይ ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ብክልተ ሓይልታት ይህደን ምህላዉ ኣተሓሳሳቢ ምኳኑ”ዮም ዝገልጹ።
ሓዊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኮነ ህዝቢ ትግራይን ናይ ጸጥታ ሓይሉን፡ ንዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፡ ካብ ሕሱም መግዛእቲ ጉጅለ ህግደፍ ሃዲሙ ንዝመጸ ኤርትራዊ ስደተኛ ጸግዒ ኮይኖም ምጽንሖም ማንም ዝክሕዶ ከምዘይኮነ ኣብ ሓበሬቶኦም ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ይኹን እምበር ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ድላይ ጉጅለ ህግደፍ ንምምላእ ጥራሕ ነቲ ጸቢብዎ ዝሃደመ መንእሰይ ናብ ጉጅለ ህግደፍ የረክብዎ ምህላዎም ኣተሓሳሳቢ ምኳኑን፡ ዳግመ ግምት ክገብርሉ ከምዝግባእን”ዮም ዝግለጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ንዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዕድመ ስልጣኑ፡ መንእሰይ ኤርትራ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኮይኑ ብነድሪ ክለዓል ይኽእል”ዩ ብዝብል ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ኣሰቃቒ ገበናት ኣብ ምፍጻም ምህላዉ፡ ካብ ዓይኒ ማንም ዝኽወል ኣይኮነን ዝበሉ ምንጭታትና፡ ህዝቢ ትግራይ ናይ ጸጥታ ሓይልታቱን ልክዕ ከምቲ ትማሊ ንዝጸበቦ መንእሰይ ኤርትራ ጸግዒ ክኾንዎን ካብ ናይ ሞት ዕጫ ከድሕንዎን”ዮም ምሕጽንቶኦም ዘቅርቡ።