ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝመደበሩ ‘ኤርትርያ ፎከስ’ ዝተባህለ ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ “እተካይዶ ዘላ ተዋጋኢ ትረኻ፡” ዓቢ ስክፍታ ከም ዝሓደሮ ገሊጹ ክብል ማዕከን ሓበሬታ BBC ግሊጹ።
ብምፍርራሕ፡ ብኣስገዳድ ይዅን ብወራር፡ ንኣህጉራዊ ሕጊ፡ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራትን መሰረታዊ መትከላት ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ ካብ መግዛእታዊ ምሕደራ ዝተወርሰ ዶባት ዘኽብር፡ ናይ 1964 ኣዋጅ ካይሮ ብቅሉዕ ዝጥሕስ ምኳኑ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራን ብ8 ጥቅምቲ 2025 ናብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዓረብ ሊግ፡ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ማሕበራትን ኣብ ዝለኣኹዎ መልእኽቲ፡
ኢትዮጵያ ብእትፈጥሮ ዘላ ሓደጋ ስጋኣት ከምዝተሰምዖም ምግላጾም”ዩ ዘረድእ።
ዝዀነት ትኩን ሃገር ናይ ካልእ ሃገር ዶብ ብሓይሊ ክትቅይር፡ ሕጋዊ ይኩን ሞራላዊ መሰል የብላን ዝበለ ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራን፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ኲናትን ግጭትን ብዙሕ ዋጋ ከምዝከፈለን፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ስቓይ ዜጋታት፡ ምምዝባልን ቍጠባዊ ዕንወትን ከምዝሰዓበን ብምጥቃስ፡ ተወሳኺ ምትፍናን ኽልቲኤን ሃገራትን ንመላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዕናዊ ክኸውን”ዩ ብምባል ዘጠንቀቕ።
ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝመደበሩ ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲ፡ ሰብኣዊ መሰልን፡ ተሓታትነት ዘለዎ ምሕደራን ንኽነግስ ዝቃለስ ጉጅለ ኰይኑ፡ ኣብቲ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንኽመጽእ ዝገብሩዎ ጻዕሪ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘየእትውዎ”ዩ ዝግልጽ።
ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከብ ወደባት ኤርትራ ብሰላማዊ መንገዲ ክትጥቀመሉ ከምእትኽእል፡ እዚ ዝኸውን እንተኮይኑ ግን ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ወደብ ኣልቦ ሃገር ምዃና ክኣምኑ ከምዝግባእ ዝገለጸ እቲ ጉጅለ ምሁራን ኤርትራውያን፡ ልዑላውነት ኤርትራ ንምቕያር፡ ብኢትዮጵያ ይዅን ካልእ ሃገር ንዝግበር ፈኸራን ምድላዋት ንወተሃደራዊ ስጕምትን ከም ዝዅንኑ”ዮም ኣብ መልእኽቶም ዝገልጹ።
ጉጅለ ኤርትራውያን ምሁራን ኣብ መደምድምታ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ሕቡራት ሃገራትን ዞባውያን መሻርኽትን፡ ንዓንድታት ቻርተሮም ክሕልዉ፡ ንዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ኲናት ክከላኸሉን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ንዝዘርግ ኩነታት ክከላኸሉ ጻውዒት ዘቅረበ ኮይኑ፡
ናብ ክልተኦም መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ውን ብተመሳሳሊ፡ ካብ ምትፍናን ወጻኢ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ጉዳዮም ክፈትሑን፡ ዞባዊ ምትሕብባርን ቍጠባዊ ምዕባለን ክመርጹን ተላብዩ።