ኣብ ኲናት ትግራይ ቀንዲ ተሳታፊ ኣካል ብዝነበረን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዓቢ ዕንወት ብዘውረደን ጉጅለ ህግደፍ ዝመሓደር ዘሎ ፖለቲካ ጽምዶ፡ ህዝቢ ትግራይ ክቅበሎ ከምዘይከኣለ፡ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ’ዚ ሳልስቲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ገሊጹ።
ኣብ ቃለመሕተቱ ብዙሕ ነጥብታት ዘልዓለ ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ፡ ቅድሚ ሽድሽተ ወርሒ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግርያ ኰይኑ ዝተሾመ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ዝተውሃቦ ስልጣን ብዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ንዝተዋህቦ ሓለፍነት ክበቅዕ ከምዘይከኣለ ውን ዝከሰሰ ኮይኑ፡ ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ካልኣይ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብህወሓት ሙሉእ ንሙሉእ ዝተዓብለሉ ሓቋፊ ባህሪ መንግስቲ ከምዘይጥፈአን፡ ብሰንኩ ውን መንግስታውን ጸጥታውን ስራሕ በዂሩ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ሰላምን ምርግጋእን ትግራይ ከረጋግጽ ክሳብ ዘይከኣለ ትግራይ ንሓድሽ መንግስቲ ክትዳሎ ከምዝግባእ”ዩ ዝገልጽ።
ጀነራል ታደሰ ካብተን ክፍጽመን እየ ኢሉ ዝፈረመን ሸሞንት ነጥብታት፡ ሓንቲ’ውን ኣይተግበርን ዝበለ ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ፡ ብህወሓት ተመዚዙ ብቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ሹመት ግዝያዊ ፕረዚደንት ዝጸደቐሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ጸጥታ ክልል ትግራይ ከረጋግጽ፡ ዶባት ክሕሉን፡ ካብ ኣፍልጦ መንግስቲ ፌዴራል ወጻኢ ዝካየዱ ርክባት ጠጠው ከብልን ካልእን ዝብል 8 ነጥብታት ፈሪሙ ከብቅዕ፡ ወልሓንቲ ክገብር ኣይከኣለን ክብል”ዩ ዝከስስ።
ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓቛፊ ግዝያዊ ምምሕዳር ክምስርት ንዝተዋህቦ ሓላፍነት ጥሒሱ፡ ነቲ ካቢነ ብህወሓት መሊኡዎ ምህላዉ ዝከሰሰ ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ፡ ብሓደ ፓርቲ ዝዕብለል መንግስቲ ናብ ግጭት እዩ ዝመርሕ ብምባል፡ ህሉው ኣካይዳ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣንጻር መትከላትን ውዕል ፕሪቶርያ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።፡
ሎሚ ኣብ ትግራይ፡ ልሳን ሒደት ሰብረብሓ ጥራይ ዝስመዓሉን፡ ድምጺ ህዝቢ ዝዕፈነሉን ኩነታት ተፈጢሩ ምህላዉ፡ ኣብ ቃለመሕተቱ ዝጠቀሰ ጀነራል ጻድቃን፡ ብፍላይ እቲ ብስም ጽምዶ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ተኣትዩ ዘሎ ሽርክነትን፡ ዝግበር ዘሎ ናይ ኲናት ምድላዋትን፡ ሓደገኛን ንህዝቢ ትግራይ ናብ ጥፍኣት ዝወስድ መንገድን ከምዝዀነ”ዩ ዝጠቅስ።
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ትግራይ ኣብ ዝተወደበን፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተዛዘመን ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ህወሓት ምስ ኤርትራ ዝጀመሮ ህዝባዊ ርክባት ኣበርቲዑ ክሕይልን ክቅጽልን ኣብ ደምዳሚ ውሳነ ምብጽሑ፡ ብመንገዲ ወግዓዊ መግለጺኡ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ ጀነራል ጻድቃን፡ እቲ ብመግለጺ ዝሓለፈ ደምዳሚ ውሳነ፡ ኣቀዲሙ ከም ዝተዳለወን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዝተኣከበ ህዝቢ ንዘስመዖ ድምጺ ዝጻረር ከምዝዀነን ብምጥቃስ፡ ብዘይካ”ቶም ኣብ መቐለ ዝተኣከቡ እሙናት ካድረታት ህወሓት፡ ህዝቢ ትግራይ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ናይ ጽምዶ ፖለቲካ ክቅበሎ ተጸጊሙ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ህሉው ኩነታት በቲ ህወሓት ዝሓሰቦ ፍጥነት ይኸይድ ዘይምህላዉ ኣብ ቃለመሕተቱ ዝገለጸ ጀነራል ጻድቃን፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ብምኳን፡ ናብ ኲናት ንምእታው ክግበር ዝጸንሐ ምሽብሻብ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ ይገጥሞ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ህዝቢ ትግራይ ብግልጺ፡ ድሕሪ ሕጂ ኲናት ዝበሃል ኣይንደልን፡ ደቅና ከፊልና ወዲእና ኢና ኢሉ ከምዘቅበጾም ዝጠቀሰ እቲ ጀነራል፡ ብስም ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፈደራል ሓደጋ ንምፍጣር ዝስራሓሉ ዘሎ ፖለቲካ ጽምዶ፡ ብህዝቢ ትግራይ ከም ስጋኣት ተጠሚቱ ተነጺጉ ምህላዉ”ዩ ከረድእ ዝፍትን።