ጸረ ሰላምን ዕቤትን ብምዃን ፡ ንዝሓለፈ 35 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምስቓይ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኮነ ኢሉ መስመር ማይ ከተማ ኣስመራ ከምዝዕጾ ብምግባሩ፡ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ኣብ ከቢድ ስእነት ማይ ወዲቁ ይሳቐ ምህላዉ፡ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
ጉጅለ ህግደፍ ሕቶ ህዝቢ ንምዕባጥን፡ ካብ ተሓታትነት ንምህዳምን ወትሩ ህዝቢ ዝሳቀየሉ ሜላ ብምፍጣር፡ ኣብ ሽግር ህዝብና ተሓቢኡ ክነብር ዝጽንሐ ገዛኢ ጉጅለ ምዃኑ ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ምስ ዘይርጡብ ኣዋጅ ባንክ ኤርትራ፡ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ተጨኒቅሉ ኣብ ዘሎ ህሞት ኮነ ኢሉ መስመራት ማይ ምዕጻዉ፡ ኣካል ናይቲ ስምዒትን ኩነተ ህላወ ህዝብን ንምቅያር ዝገብሮ ጨካን ኢሰብኣዊ ፖለቲካዊ ፖሊስኡ ምዃኑ’ዮም ዘረጋግጹ።
ኣስመራ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት፡ መስመር ማይ ተዓጽዩ፡ ማይ ዘበጻጽሓ ቦጣት ተሳኢነን፡ ዋጋ ዕትሮ ጋዝ ሰማይ ተሰቒሉ ፡ ሕጽረት ነዳዲ ዘስዓቦ ዋሕዲ መጓዓዝያ ፡ ኮታ ወላ ውን ንተስፋ ጭልምልምታ ብርሃን ናብ ዘይብሉ ጸልማት ዘመን ተመሊሳ፡ ህዝቢ ኣስመራ ኣብ ከቢድ ኣእሙራዊ ጸቕጢ ወዲቁ ምህላዉ ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ነባሪ ከተማ ኣስመራ፡ ብስልቲ ጉጅለ ህግደፍ ተሓኒቑ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድምጺ ኣልቦ ናይ ጽንተት ገበናት ኣብ ምፍጻም ዝርከብ ጉጅለ ምዃኑ ፡ ኣብ ሓበሬታኦም ወሲኾም ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ገለ ገለ ኣብ ደገ ዝነብሩ ደገፍቲ እቲ ጉጅለ ዝኾኑ ተበለጽቲ ዜጋታት፡ ካብ ስቓይ ህዝቦም ንላዕሊ፡ ገበናት እቲ ጉጅለ ንምንታይ ተቐሊዑ እንዳበሉ ክማጎቱ ምርኣይ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣስመራ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ዓው ኢልካ ኣብ ዘይብከዮ ከቢድ ሓዘን ተዋሒጡ ምህላዉ እዮም ዝገልጹ።
ኣብ ኤርትራ ልምዓታዊ መደባት ናይ ምክያድ ዝኾነ ይኹን መደብ ዘይብሉ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ገባርን ሓዳግን ንምዃን ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኩሉ ዓይነት ደገፋት ኣብ ምሃብ ምህላዉ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ ህግደፍ ንዕጡቓት ጉጅለታት ፋኖን ህወሓትን የዕጢቁ ስልጣን ኣብይ ኣሕመድ ንምውዳቅ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጥሜትን ጽምኢ ማይን ይሳቐ ምህላዉ፡ ተቓለስቲ ፍትሒ ንዝኮኑ ዜጋታት ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክም፡ ደገፍቲ እቲ ጉጅለ ንዝኮኑ ተበለጽቲ ዜጋታት ከኣ ናይ ታሪኽ ተሓታትነት ዘሰክም ምዃኑ’ዮም ኣብ መደምደምታ ዝጠቕሱ።