ጉጅለ ህግደፍ፡ ንቃለ መሕትት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ግብረመልሲ ሂቡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ትማሊ ምስ ቴሌቪዥን ሃገሩ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ቁጠባ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ዓውዲ ምፍራይ ኢንዱስትሪ፡ ካብ ድሕሪ ናጽነታ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ደው ኢሉ ምህላዉን፡ ንቁልቁል ገጹ ይወድቕ ከምዘሎን ምግላጹ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዚ ዝተቖጠዐ ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ወኪል ሓበሬታ እቲ ጉጅለ ዝኾነ የማነ ቻርሊ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ ንርእይቶ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮኒኑ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዘቕረቦ ግብረመልሲ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 35 ዓመታት፡ ካብ ዓለምለኻዊ ትካላትን ካልኦት ሃገራትን ብድምር ካብ 80 ክሳብ 90 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ዝግመት ሓገዝ ከምዝረኸበት ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ክልተ ግዜ ካብ መደባት ሕድገት ዕዳ ከምዝተጠቕመትን፡ ካብ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብን ካልኦት ለገስትን ተደጋጋሚ ፋይናንሳዊ ሓገዛት ከምዝረኸበትን ብምጥቃስ፡ ኣብይ ኩነታት ሃገሩ ንጎኒ ጎስዩ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ክዛረብ ከምዘየምሕረሉ ዝጠቅስ እኳ እንተኾነ ፡ ነቲ እቲ ጉጅለ ኣብታ ሃገር ዘውረዶ ዕንወት ዝሃቦ ምላሽ ግን የለን።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንኢትዮጵያ ዘጋጠማ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ብዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ብዝተፈላለዩ ናይ ሓገዝ መደባት ክትረክብ ከምዝተሓገዘ ዝጠቅስ ግብረመልሲ ህግደፍ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ምምሕዳር ብልጽግና፡ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ጥራይ ካብ 30 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ንላዕሊ ዓለምለኻዊ ሓገዝ ከምዝረኸበ፡ ብተወሳኺ ውን ብመደብ ሓገዝ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ኣስታት 3.1 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝግመት ፋይናንሳዊ ደገፍ ከምዝረኸበ ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ብሓገዝ ደው ዝበለት ሃገር እያ ዝበለ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር የማነ ቻርሊ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ጸጋታት ኤርትራ ዓመታዊ ዝብዝብዞ ቢልዮናት ዶላራት ሓላፍነት ክወስደሉ ኣይመረጸን።
የማነ ቻርሊ ወሲኹ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምንታይ እዩ ኣብ ስደት ሰፊሩ፡ ህዝብና ከ ንምንታይ’ዩ ካብ ዓለም ተነጺሉ፡ ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማት ዓለም ክነብር ተፈሪዱ ንዝብል ሕቶ ንጎኒ ገዲፉ፡ ልዕሊ 68 ሚእታዊት ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ድኽነት ከምዝነብርን፡ ኣስታት 30 ሚልዮን ሰባት ድማ ቅልጡፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮምን ብምጥቃስ፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ሃገርካ ጉዳይ ግበር ክብል እኳ እንተፈተነ፡ ህግደፍ ዘውረዶ ዕንወትን ውድቀት ኤርትራ ግን ብዝኾነ ይኹን ቃላት ክሽፈን ኣይኮነን።
ንጉዳይ ዓውዲ ምፍራይ ኢንዱስትሪ ኤርትራ ዝምልከት ግብረመልሲ የማነ ቻርሊ፡ ኤርትራ ኣብ እዋን ግዝኣት ጣልያን፡ ካብ 1889 ክሳብ 1941 ዝተሃንጹ ብዙሓት ፋብሪካታት ከምዝነበሩዋ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ እዋን ምምሕዳር ወተሃደራዊ ብሪጣንያ፡ ከም ናይ ኲናት ኣጽዋር ተወሲዶም ናብ ካልኦት ሃገራት ከምዝተላእኩ ዝጠቅስ ኮይኑ፡ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ንጉስ ሃይለ ስላሴ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ እዋን ፈደረሽን ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝተወስዱ ናይ ኢንዱስትሪ ንብረታት ከምዝነበሩ ዝምጉት ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ግብረመልሲ ነቲ ህግደፍ ኣብ 35 ዓመታት እንታይ ሃኒጹ ዝብል ብመረዳእታ ዝመለሰ ኣይነበረን።
ኤርትራ ኣብ 1991 ናጽነታ ድሕሪ ምርግጋጻ፡ ኣብተን ቀዳሞት ሸውዓተ ዓመታት ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት ከምዘመዝገበት ዝገለጸ የማነ ቻርሊ፡ እዚ ብሪፖርተር ባንክ ዓለም ዝተደገፈ ዕብየት ኤርትራ፡ ኲናታትን ማዕቀባትን ከምዘይቀጸለ’ኳ እንተገልጸ፡ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ወራሪ’የ ብምባል ካሕሳ ዝኸፈለሉ ናይ ባድመ ኲናት ግን ክገልጾ ኣይከኣለን።
ብቃለ መሕትት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተቖጠዐ ህግደፍ፡ ካብ ሓቅታት ኤርትራ ሃዲሙ፡ ጸገማት ኢትዮጵያ ከም ምኽንያት ኣልዒሉ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክምጉት እኳ እንተፈተነ፡ ይኹን እምበር ኢትዮጵያ ምስ ኩሎም ጸገማታ ናይ ልዕሊ 400 ሽሕ ኤርትራውያን መዕረፊት ሃገር ኮይና ምህላዋ፡ ውድቀት ህግደፍ ብቃላት ዝቁንጁ ምስሊ የብሉን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ፡ ጉጅለ ህግደፍ ን ኤርትራ ካብ ዝቆጻጸራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ከም ዝፈረሰቶን፡ በቲ ጉጅለ ኣብ ፍጹም ውድቀት ወዲቑ ይነብር ምህላዉን ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ንውድቀት ኤርትራ ብውድቀት ኢትዮጵያ ከደቃቕሶ ምፍታኑ ንባዕሉ፡ ውድቀቱ ኣጸቢቑ ክጎልሕ ጌሩ ይርከብ ።
ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ፡ ”
ቅድሚ ናጽነት ከተማታት ኤርትራ ድሙቓትን ውቍባትን ነይረን ብምባል፡ ሎሚ ዳርጋ መንበሪ ደቂ ሕድርትና መሲለን ኣለዋ ዝበለ ኮይኑ፡ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ቍጠባዊ ውድቀት ከም ዘጋጠማ ብምግላጽ፡ ብዘይካ ኣስመራ ከተማታት ባጽዕን ዓሰብን ውን ሰብ ዘይነብረን ዑና ኮይነን ጽልወአን ናብ ዜሮ ምውራዱ’ዩ ዝገልጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣስዒቡ፡ ገዛኢ ውድብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስቶም ንኢትዮጵያ ጸላእቲ ዝዀኑ ሓይልታት ከም ዝወገነ ብምግላጽ፡ ኣንጻር ረብሓታት ኢትዮጵያ ይሰርሕ ምህላው ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ህግደፍ ነቲ ንተጻረርቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ እንተቐጺሉዎን፡ ንጻውዒት ሰላም ምትሕብባርን ሓባራዊ ልምዓትን ምላሽ እንተዘይሂቡን፡ ሳዕቤኑ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል’ዩ ዘጠንቅቕ።