ውድብ ህወሓት ዳግም ናብ ዘይምለሰሉ ደረጃ ከምዝወረደ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ንህሉው ፖለቲካውን ጸጥታውን ኩነታት ትግራይን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ፡ ምስ ኣውራ ኣምባ ታይምስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ህወሓት ናብ ዘይምለሰሉ ጥፍኣት ከምዝኸደ ገሊጹ።
ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ቃለመሕተቱ፡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንዘጋጠሞ ናይ ምእሳር ፍጻመ ኣመልኪቱ ዝርዝር ሓበሬታ ዝሃበ ኮይኑ፡ ኣጀማምራ ናይቲ ፍጻመ ብለይቲ ናብ ገዝኡ ብዝተላእኩ ዕጡቓት ፡ ኣብ ቁጽጽር ንምእታዉ ዝተገብረ ፈተነ ቅኑዕ ከምዘይነበረን፡ ብሽፋን ፖሊስ ዝመጹ ኣካላት ከምዝነበሩን ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ካብ ገዝኡ ድሕሪ ምውሳዱ፡ ኣብ ሆቴል (HZ) ክጸንሑ ከምዝተገብረን፡ ቀጺሉ ኣብ ኣኽሱም፡ ዓድዋን ራማን ዝተፈላለየ ምንቅስቓሳት ከምዝነበረን ገሊጹ።
ነቲ ውሳነ ዝወሰደን ዘተግበረን ሓይሊ፡ ካብ ወግዓዊ መንግስታዊ መዋቕር ወጻኢ፡ ብፖለቲካውያንን ወተሃደራውያንን ኣካላት ዝተወደበ ኮሚቴን ጽንፈኛታትን ከምዝኾነ ዝጠቐሰ ጀነራል ታደሰ፡ ካብ ከተማ ራማ ድሕሪ ምውጽኦም ፡ ኣብ መንጎ ኣድበራን ኣሮህን ምስ ዝረኸብዎም ኣባላትን መራሕትን ሰራዊት ምክልኻል ብሰላም ከምዝተራኸቡ’ዩ ዝገልጽ።
ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣስዒቡ፡ ንህላወ ውድብ ህወሓትን ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታትን ኣመልኪቱ ውን ሰፊሕ መብርሂ ዝሃበ ኮይኑ፡
ህወሓት ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ናብ ናይ መወዳእታ ፖለቲካዊ ጉዕዞኡ ከምዝበጽሐን፡ ነቲ ውድብ ብሰላም ከዕርፍዎ ከምዝግባእን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ህወሓት ዳግማይ ክትስእ’ዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ’ዩ ዝገልጽ።
ህላወ ውድብ ንምዕቃብ ዝኽፈል መስዋእቲ ደው ክብል ከምዝግባእ፡ ህወሓት እንተዘየላ ትግራይ የላን ዝብል ኣተሓሳስባ ውን ጌጋ ክስመረሉ ከምዘለዎን ዝገለጸ ጀነራል ታደሰ፡ ትግራይ ወላ ውን ድሕሪ ህወሓት ክትቅጽል ምዃና’ዩ ዝገልጽ።
ሰራዊት ምስቲ ዝሞተ ክመውት የብሉን፡ መራሕቲ ህወሓት ዝተዓወቱሉ ሓደ ነገር እንተሃልዩ፡ ነቲ ውድብ ናብ መቓብር ኣውሪዶምዎ እዮም፡ ዳግም ክምለስ ናብ ዘይክእለሉ ቦታ ውን ከይዱ’ዩ ዝበለ ጀነራል ታደሰ፡ መራሕቲ ህወሓት ምስ መንእሰይ ትግራይ ዘለዎም ርክብ ከምዝተበተነ ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ትግራይን ሓድሽ ወለዶን ናይ ባዕሎም ዕድልን ሕልምን ክቐርጹ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ መደምደምታ፡ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ደጊም ተወሳኺ ኲናትን ዕንወትን ክጸውር ስለዘይክእል፡ ምሉእ ትኹረትና ፖለቲካውን ሰላማውን መፍትሒ ክኸውን ኣለዎ ዝበለ ጀነራል ታደሰ፡ ህወሓት ብድኻም መራሕቱ ሞቱ ከምዝኣወጀ ብምጥቃስ፡ ቃለመሕትቱ ዛዚሙ።