ንልዕሊ 35 ዓመታት፡ ብዘይ ሕጊ፡ ቅዋም፡ ምርጫን ባይቶን ንህዝቢ ኤርትራ ዘጽንት ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣረሜናዊ ናይ ጽንተት ስልጣኑ ናብ ደቁን መቕርቡን ንምስግጋር ብሰላሕታ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ምንቅስቓስ ሰብ ኣስመራ ንለውጢ ገሊጾም።
ብመሰረት ሓበሬታ ምንቅስቓስ ሰብ ኣስመራ ንለውጢ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ምስ ምድፋእ ዕድመን ጸገም ጥዕናን ንቡር ንጥፈታቱ ኣብ ዝደኽመሉ ሰዓት፡ ስልጣኑ ኣብ ክንዲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ደቁን መቅርቡን ንምምሕልላፍ ወጢኑ ይሰርሕ ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ንናጽነት ኤርትራ ህይወቶም ዝኸፈሉ ሰማእታት ክሒዱ፡ ገድሊ ዝመርሑ ብጾቱ ቀንጺሉን ሓይሩን፡ ንሓድሽ ወለዶ ሃገር ውን ከምዝስደዱ ድሕሪ ምግባሩ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ከምኡ እውን “ውዑይ ደም ዘለዎም ወለዶ” ዝብሎም እሙናት መጋበርያ መልሚሉ ኣብ ኣገደስቲ ቦታ ይምድቦም ኣሎ።
ኣብዚ እዋንዚ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብዘይ ሓጋጊ: ፈጻሚ ፈራዲ ኣዕኑድ መንግስቲ ከምኡ እውን ብዘይ ስሩዕን ወግዓውን ባጀትን ግሉጽነትን ገባርን ሓዳግን ኣብ ዘለወሉ ህሞት፥ መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት’ዩ ዝርከብ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት ብጉልባብ ምድሓን ሃገርን ምኽባር ዶባትን ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብ ኩናት ከምዝሃልቁ: ከምዝስንክሉን ከምዝማረኹን ኮይኖም ኢዮም።
ከም ሳዕቤኑ ድማ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኤርትራውያን ተሰዲዶምን ኣብ ጉዕዞኦም ጠፊኦም፥ ኣሽሓት ገንዘብ ተዓድዮም ከምኡ እውን ቁጠባ ሃገርና ዓንዩን ህዝብና ደኽዩን።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፥ ቅያር ክዳንን ሳእንን ዘይብሉ፥ መጋየጺ ገዛን ማኪናን ዘይውንን፥ ሃብቲ ዘይብሉ “፥እናተባህለ ዝውረየሉ ኳ እንተኾነ፥ ብመንገዲ ቁጠባዊ ጉዳያትን ብዝተፈላለየ ኣስማትን ትካላትን ማዕድናትን ሃብትን ህዝቢ ኤርትራ ዘሚቱን ሓቢኡን ከምዘሎ ይፍለጥ።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ነቶም በብእዋኑ ንፍትሕን ንመሰል ህዝቦምን ድምጺ ዝሃቡን ዝተጣበቁን ኤርትራውያን ብጸለመን ብዘይ ክስን ፍርድን ንዓመታት ብምሕያርን ብምቕታልን ንጸጥታዊ መሓውርን ሃብትናን ተቆጻጺርዎ ይርከብ።
ህዝቢ ኤርትራ ንእከይ ውጥናትን ሕልሚታትን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብህጹጽ መግትኢ እንተዘይገይሩሉን ዕድሉ ክውስንን ንመሰሉ ክጣበቅን እንተዘይክኢሉ ድማ ልኡላውነት ሃገርናን ህላወ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ዓቢ ሓደጋ ከምዘሎ ነፍስ ወከፍ ዜጋ ክግንዘቦ ይግባእ።
ነዚ ኣብ ልዕሌና ዘንጠጢ ዘሎ ሓደገኛ መደባት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንምብርዓን እታ እንኮን ዝበለጸትን ፍታሕ ኤርትራውያን ዘለና ፍልልያት ወንዚፍናን ብዘተ ኣጽቢብናን ቀዳምነትና ንውልቀ መላኺ ኢሳያስን ኣጫፈርቱን ምውጋድን ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ምትካልን ምዃኑ ሰብ ኣስመራ ንለውጢ ኣገንዚቦም።