ቀንዲ ጠንቂ ኣብ ስደት: ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኣመንቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝርአ ሓድሕድ ጎንጺ: ምክሳስን ምትህልላኽን: ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ጉጅለ ህግደፍ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሃይማኖትን ኣመንትን መራሕትን ዝፍጽሞ ገበናትን ቀይድን: ኣብ ስደት እውን ኤርትራውያን ክመቃቀሉን ሓድነቶም ክዝረግን ብቐጻሊ ይሰርሕ ከምዘሎ: ብግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ ናብ ኤሪፒኤም ዝተላእኩ ምንጭታት ኣፍሊጦም።
ኣብ ምፍልላይን ምልሕላሕ ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ስልጣኑ ክቕጽልን ክዕቅብን ለይትን መዓልትን ዝሰርሕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ: ሰንካማት መሓውራት ስለያ ኣብ ትካላት ሃይማኖት ብምልኣኽ ሰላም ህዝብና ይዝርግ ኣሎ።
ህዝቢ ኤርትራ: ትካላትን ንጥፈታትን ሃይማኖት ኣብ ክንዲ ብገዛእ ርእሱ ዝመረጾም ኣካየድቲ ዝኾኑ፥ ጉጅለ ህግደፍ ብዝወከሎም ካድራትን ብቕዓት ዘይብሎምን ሰባት ይምድብ ብምህላዉ: ኣብ መንጎ ኣመንቲ ሕልናን ሞራልን ዘይቅበሎ ኣካላዊ ጎንጺ ይፍጠር ኣሎ።
ኣመንትን ገበርቲ ሰናይን ንጽድቂ ይኹን ንመካየዲ ቤተ ክርስትያን ናይ ኣገልግሎትን ልግሲ ገንዘብን ሞባእን: ጉጅለ ህግደፍ ይቆጻጸሮን ይራስዮን ስለዘሎ ድማ: ነቲ ሱር ዝሰደደ ፍልልያት የጋድዶ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ኣመንቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ድማ ብፍላይ: ንዘይሕጋዊ ኣሰራርሓን ግብረ ሽበራዊ ንጥፈታትን ጉጅለ ህግደፍ ብንቕሓትን ብጥምረትን ብሕጋዊ ኣገባብ ክምክትዎን ኣለዎም።
ኤርትራዊ: ነቶም ካብ ሃገራዊ ድሕነትን ፖለቲካዊ ጉዳያትን ጉጅለ ህግደፍ ዘራጊ መደባትን
ገንዘብ ህዝቢ ንምዝራፍን ዝተላእኩ ጉሓላሉ ከኣ ከቃልዖምን ኣብ ሕጊ ከቕርቦምን መሰሉ ኢዩ።
ኣብ ስደት: ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘካይዶ ዘይሕጋዊ ስግረ ዶባዊ ንጥፈታትን ዓመጽን ንምግታእን መሰልካ ንምርግጋጽን: ጥርናፈን ህላወ ማሕበረ ኮምን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ብሰንኩ ክስደድ ዝተገደደ ኤርትራዊ: ከም ራብዓይ ግንባር ብምውዳብ እኩይ ፖለቲካዊ መደባቱ ንምስላጥን ገንዘብ ንምእካብን ብዝለዓለ ይሰርሓሉ ኣሎ።