ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ብመንገዲ ባጽዕ ናብ ህወሓት ዝተረከበ ኣጽዋር ከምዝማረኸ ተገሊጹ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወደብ ባጽዕ ኣቢሉ ናብ ሓይልታት ትግራይ ዝተላእከ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ከምዝማረኸ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊጹ።
ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፡ ብወደብ ባጽዕ ናብ ሓይልታት ትግራይ ዝተላእከን፡ ንሓንቲ ማእከላይ ደረጃ ዘለዋ ሃገር ክከላኸል ዝኽእል ዓቐን ዘለዎ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ከም ዝማረኹ ዝጠቐሰ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ መራሕቲ ህወሓት ናብ ደቡባዊ ክፋል ኤርትራ ብምእታው፡ ክሳብ ከተማ መንደፈራ ከምዝበጽሑ’ዩ ዝገልጽ።
ብርሃኑ ጁላ ነዚ ዝገለጸ፡ ትማሊ ሰንበት 25 ጥቅምቲ 2026፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ በዓል ምምስራት 119 ዓመታት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ ኮይኑ፡ ህወሓት ኣርባዕተ ግዜ ነብሱ ከምዝቐተለን ፡ ክሳብ መንደፈራ ከምዝበጽሐን ብምጥቃስ፡ ሓምሻይ ዕድል ክረክብ ከምዘይኮነ’ዩ ዝገልጽ።
ውግእ ዝተጀመረ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ (ኣፋብን)፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ከምኡ’ውን ካልኦት ኣርባዕተ ዕጥቃውን ፖለቲካውን ውድባት ብሓባር ጥምረት ከም ዝመስረቱ ድሕሪ ምእዋጆም’ዩ ዝበለ ብርሃኑ ጁላ፡ እቲ “ምትሕብባር ህዝባዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህልውና” ተባሂሉ ዝተጸውዐ ጥምረት፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ከም ዝንቀሳቐስ ኣፍሊጡ ነይሩ’ዩ ድሕሪ ምባሉ፡ “ሰራዊት ምክልኻል ከነፍርስ ኢና፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ከነምጽእ ኢና” ዝብሉ ደፋራትን ከዳዓትን ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሮም ኣለዉ ክብል’ዩ ተሰሚዑ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝጀመረ ውግእ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ኤርትራን ተሳትፎ ከም ዘለወን ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ እቲ ጥምረት ካብ ግብጺ ክሳብ ካርቱምን ኣስመራን ብዝዝርጋሕ ኔትዎርክ ዝተወደበ እዩ ድሕሪ ምባሉ፡ እቲ ኩነታት ንህወሓት ብምልኣኽ፡ ኣብ ግንባራት ሰሜን ወሎ፡ ዋግ-ኽምራንን ኣፋርን ከም ዝኸፈተ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ እቶም ሓይልታት ባዕሎም ኣብ ዝጀመርዎ ውግእ ከም ዝተሳዕሩ’ዩ ኣዊጁ።
ብዶባት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ብዙሕ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ከም ዝተታሕዘ ወሲኹ ዘረጋገጸ ፊልድ ማርሻል ብርሃነ ጁላ፡ ብወደብ ምጽዋዕ ዝተላእከ፡ ንሓንቲ ማእከላይ ደረጃ ሃገር ክከላኸል ዝኽእል ዓቐን ዘለዎ ወተሃደራዊ ኣጽዋር፡ ሰራዊትና ተቖጻጺሩዎ እዩ ክብል’ዩ ዘረጋግጽ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ብፍትሒ እግዚኣብሄር እናተመርሐ፡ ንሸውዓተ ናይ ጥምረት ዕጡቓት ሓይልታትን፡ ሰለስተ ደገፍቲ ናይ ደገ ሓይልታትን ስዒሩ እዩ ዝበለ ብርሃኑ ጁላ፡
መራሕቲ ህወሓት ኣብቲ ውግእ ድሕሪ ምስዓሮም፡ ንብረት ትግራይ ጽዒኖም ናብ መንደፈራ ኤርትራ ከም ዝኣተዉ ውን’ዩ ወሲኹ።
ስትራተጂካዊ ምስሓብ ማለት፡ ኩሉ ወተሃደራዊ ዓቕምኻ ገዲፍካ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልቲ ካብ ሰሜን ወሎን ዓፋርን ናብ መንደፈራ ምእታው ማለት ኣይኮነን ብምባል፡ ንምዝላቕ ህወሓት ርኡይ ስዕረት ምዃኑ ዝጠቐሰ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ህወሓት ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ናብ መሻርኽቱ ሻዕብያ ከይዱ’ዩ ድሕሪ ምባሉ፡ እቲ ጉጅለ ካብ ጌግኡ ክመሃር ዝገብሮ የእምሮ ከምዘይብሉ ብምጥቃስ ፡ ኢትዮጵያ ሓምሻይ ዕድል ክወሃቦ ክትፈቅድ ከምዘይኮነት’ዩ ዝእውጅ።