ኣብ ፈረንሳ ዝተወልዐ ግጭት ናብ መላእ ኤውሮጳ ይልሕም ምህላዉ ተገሊጹ።
ልክዕ ከምቲ ኣብ ፈረንሳ ዝተወልዐ ግጭት፡ ብተመሳሳሊ ጉዳያት ዝተበገሰ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ክሳብ ትማሊ ሰንበት ናብ ሓያሎ ካልኦት ከተማታት ኤውሮጳ ልሒሙ ስግኣት ፈጢሩ ምህላው ተገሊጹ።
ኣብ ሃገረ ስጳኛ ግዝኣት ባርሴሎና፡ ተቓውሞ ተመሃሮ ብዘበገሶ ዕግርግር ኣስታት 100 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣልባንያ ቲራና ብተመሳሳሊ፡ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ብምትኳስ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ጸረ መንግስቲ ሰልፈኛታት ክብትኑ ምውዓሎም፡ እቲ ካብ ፈረንሳ ተበጊሱ ናብ ከተማታት ኤውሮጳ ዝልሕም ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ስግኣት ኮይኑ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ኣብ ርእሰ ከተማ ቤልጁም ብራስለስ እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣሰካፊ ግጭት ከምዝተራእየ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ ሰሜናዊ ጣልያን ሚላኖ፡ ኣብ ጎኒ ፖሊስ ኣማኢት ወተሃደራት ዘሰለፈ ዓቢ ናይ ጸጥታ ስርሒት፡ ሰልፈኛታት ኣብታ ከተማ ከይእከቡ ከልኪሉ ምውዓሉ ውን’ዩ ዝንገር።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንጻር ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲን ዋጋ መነባብሮን ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ኣስታት 550 ሽሕ ሰባት ከምዝተሳተፉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ድሕሪ ናይ ሰሙናት ተቓውሞ ተመሃሮ፡ ናዕቢ እናወሰኸ ብምምጽኡ
ነቲ ናዕቢ ስዒቡ፡ ናይ ልዕሊ 2500 ሰባት ማእሰርቲ ስዒቡ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።
እቲ ዝተኻየደ ሰልፊ ኣብ መጀመርታ ሰለማዊ እኳ እንተነበረ፡ ብዓመጽ፡ ምዝማትን ዕንወትን ተበላሽዩ፡ ኣብ መላእ ፈረንሳ ልዕሊ 2000 ድኳናትን ካልኦት ትካላት ንግድን ብቐጥታ ከምዝተጸልዋ ዝግለጽ ኮይኑ፡ እቲ ዝወረደ ጉድኣት “ብኣማኢት ሚልዮናት ዩሮ” ከምዝግመት ውን’ዩ ቤት ምኽሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ፈረንሳ ዝገልጽ።
ድሒሮም ሰበ-ስልጣን ፈረንሳ ኣብ ፓሪስን ካልኦት ከተማታትን ናይ ለይቲ ኣዋጅ እቶ እቶ ከንብሩ ከምዝተገደዱ ዝገለጹ ኮይኖም፡
እዚ ተቓውሞታት፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ፈረንሳ ቀዲሙ ዝካየድ ብምህላዉ፡ ቀንዲ ተወዳደርቲ ማክሮንን ሚኒስተራቱን ዝኾኑ ተቓወምቲ ኣካላት ተሓተቲ ምዃኖም’ዩ ዝንገር።