ዋዕላ ሓድነትን ጽምብልን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ስያትል ተኻይዱ።
ጉጅለ ህግደፍ ብዘሕፍር ውርደት ንዝተሳዕረሉ ሕጋዊ መስርሕ ፍርዲ ክሲ ደለይቲ ፍትሒ ንምጽንባል፡ ኣብ ከተማ ሲያትል ዝተጸውዐ ዋዕላ ሓድነትን ጽንብልን ደለይቲ ፍትሒ ብድሙቕ ስነ ስርዓት ከምዝተኻየደ ተገሊጹ።
እቲ ካብ ኩለን ግዝኣታት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንዝመጹ ደለይቲ ፍትሒ ዘሳተፈ መድረኽ ፡ ብርክት ዝበሉ ኣቦታት ደለይቲ ፍትሕን፡ ኣዴታት ደቂ ኣንስትዮን ዘሳተፈ ምንባሩ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣካል ናይቲ ብስግረ ዶባዊ ዓመጽ ሕቶ ፍትሒ ኤርትራውያን ንምጉዕጻጽ ዝገብሮ ሃቐና ፡ ኣብ ልዕሊ 13 ደለይቲ ፍትሒ ዝፈጸሞ ክስን ጸለመን ፈሺሉ፡ ብከምዚ ድሙቕ ኣገባብ ክዝከር ምኽኣሉ፡ ንቃልስና ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ምዃኑ’ዩ ዝእመን።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ 13 ደለይቲ ፍትሒ ዝኣወጆ ክስን ጸለመን፡ ወላ ዳኣ ኣብ ልዕሊ 13 ሰባት ይምሰል ዳኣ’ምበር ፡ ብዓቢኡ ሕቶ ወጽዓ ደለይቲ ፍትሒ ንምዕፋንን፡ ሽበራ ንምፍጣርን ዝዓለመ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሳላ መኸተን ጽንዓትን ደለይቲ ፍትሒ፡ ህግደፍ ኣብ ሕጋዊ መስርሕ ተረቲዑ ክዋረድ ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ዘሐጉስ ነገር ክህሉ ከምዘይክእል’ዮም ተሳተፍቲ ዝገልጹ።