ሓደስቲ ኣባላት ፓርላማ እስራኤል፡ ሓድሽ እብረ ስልጣኖም ንምጅማር ትማሊ ቃለ-ማሕላ ከምዝፈጸመ ተሓቢሩ።
እቲ ‘ክነሰት’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ፓርላማ ሃገራዊ ባይቶ፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ክመርጽ ትጽቢት ዝግበረሉ ኮይኑ፡ ናይ ሓደራ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁን፡ ንሱ ዝመርሖ ጥምረት ሰልፍታት እኹል ዓብላሊ መናብር ብዘይምርካቡ ተቐናቓኒኡ መንግስቲ ከቕውም ተሓቲቱ ኣሎ።
ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ዝነበረ ጋዲ ኢዘንኮት፡ ደገፍ ድሕሪ ምርካቡ፡ መንግስቲ ከቕውም ንፕረዚደንት እታ ሃገር ብወግዒ ሕቶ ከምዘቕረበ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብተን ዝተዋህብኦ 28 መዓልታትን ክልተ ሰሙናትን፡ ተወሳኺ ግዜን መንግስቲ ክምስርት እንተዘይክኢሉን ግን፡ ወይ ነታንያሁ ክሕተት’ዩ፡ ወይ ከኣ ዳግማይ ሃገራዊ ምርጫ ክግበር ከምዝኾነ’ዩ ዝንገር።
እቲ ኣዛዚ ሰራዊት ነበር ዝመርሖ ጥምረት ኣርባዕተ ሰልፍታት 48 መናብር ክዕወት እንከሎ፡ ብኣንጻሩ ነታንያሁ ዝመርሖ ልፍንቲ 53 መናብር ክረክብ ዝበቕዐ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ክልቲኦም ሰልፍታት መንግስቲ ከቑሙ ዝኽእሉ ብዘይምዃኖም ፡ ምስ ካልኦት ሰልፍታት ክዘራረቡ ግድን ምንባሩ’ዩ ዝግለጽ።
ዛጊት ክሳብ ሎሚ ኢዘንኮት ናይ 67 ኣባላት ክነሰት ደገፍ ብምርካቡ፡ መንግስቲ ክምስርት ተሓቲቱ ምህላዉ ዝንገር ኮይኑ፡ እንተኾነ ኣብ መንጐ ሰልፍታት ዘሎ ናይ ፖሊሲ ፍልልያት ይኹን ናይ መዝነት መን ወሰደ ቅልስ ዘበገሶ ምስሕሓብ ግን፡ ጠንቂ ምፍራስ ዝርርባት ወይ ዝተመስረተ መንግስቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝስጋእ።