ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ምስ መዘንኡ መራሒ ቱርኪ ራሲፕ ታይፕ ኤርዶጋን ከምዝተራኸበ ቤትጽሕፈት ኤርዶጋን ሓቢሩ።
ኣብ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ (ኮፕ 31) ንምስታፍ ኣብ ኣንታልያ ዝርከብ ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ብዛዕባ ክልተኣዊ ጉዳያትን ዝቕጽል ዋዕላ ክሊማን ከምዝተዘራረቡ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዓቢ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መኽሰባት ከምዘለዎ’ዩ ዘረጋግጽ።
ዓለምለኻዊ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ (ኮፕ 32) ኣብ ሕዳር 2027 ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተወሲኑ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ነዚ ዋዕላ እዚ ንምድላው ዝኸደቶ ጉዕዞ ዕዉት ኮይኑ ከምዝግምገምን፡ ኣድናቖት ከምዝረኸበን ውን’ዩ ዝንገር።
ኮፕ 31 ንምእንጋድ ንዝተገብረ ምድላዋትን፡ እቲ ጉባኤ ብድምቀትን ዓወትን ንኽዛዘምን፡ ቱርኪ ንተርእዮ ዘላ ጻዕርታት ዘለኒ ኣድናቖት ገሊጸ ኣለኹ ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ኣብ ናይ ውልቂ ሕሳቡ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ቱርኪ ነቲ ኢትዮጵያ ወንበር ፕረዚደንት ኮፕ 32 ንምርካብ እተካይዶ ዘላ ምድላዋትን ጻዕርን፡ ዘለዎ ሽርክነትን ከምኡ ውን ሰናይ ድሌት ብምንኣድ፡ ናይ ሓባር ኣተኲሮ ኣብ ዘድልዮም ዞባዊ ጉዳያት ንምትሕብባር ውን፡ ተኽእሎ ዘለዎም ዕድላት ተዓዚብና ብምባል’ዩ ፡ ቱርኪ ንእትገብሮ ዘላ ኩለንታዊ ደገፋት ዘመስግን።