ስማዊ ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፡ ስልጣን ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ንምዕቃብን፡ ሕሰም ህዝብና ንምኽራርን ዝዓለመ መደባት ከምዝሓንጸጸ ተገሊጹ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እሙን ኣገልጋሊ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ምዃኑ ዝንገረሉ ብርሃነ ገብረሂወት፡ ዘመተ ጽልእን ምዝራግ ሓድነትን ንምንዛሕን፡ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ንምምንዛዕን ዘገልግላ፡ ኣርባዕተ ሽማግለታት ከምዝቖመ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ በብመድረኻቱ ክካየድ ዝጸንሐ ገንዘብ ናይ ምውጻእ መደባት፡ መቐጸልታ ናይቲ ንስግኣት ሉኣላውነት ከም ምኽንያት ኣቐሚጥካ ዝግበር ህግደፋዊ ናይ ዝምታ ስትራተጂ ምዃኑ ዝፍለጥ’ዪ።፡
ኣብ ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣሜሪካ ፈጻሚ ጉዳያት ብርሃነ ገብረሂወት ዝመርሖ: ” ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት “ሃገራዊ መኸተ ንምክልኻል ልኡላውነት” ዝተጠመቐ ሰሚናራት ንህዝቢ ብምዕዳም: ምእካብ ገንዘብ: ጎስጓስን ውደባን: ህዝባዊ ዲፕሎማሲ: ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝብሃላ ሽማግለታት ቆይመን ንጥፈታተን ጀሚረን ከምዘለዋ ገሊጹ።
ከም ዝፍለጥ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ 2018 : ኣብዪ ኣሕመድ ምርሓና: ምስ ኢትዮጵያ ሓደ ኢና: ኣይከሰርናን” ዝብሉ ናይ ክድዓትን ጥልመትን ውርደትን መግለጺታት ከምዝሃበን ኣብ 2020 ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ህግደፍ ምስ ሰልፊ ብልጽግና ተሻሪኹ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ሃሊቖምን ሰንኪሎምን ኢዮም።
እዚ ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ሓወይ ዝበሎን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይነበሮ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላምን: ንስልጣን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዘደልድል እምበር ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ንምሕላውን ልኡላውነቱ ዘውሕስን ኣይነበረን።
ህዝቢ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰሉ ተረጊጹ: ናብ ስደት ተበታቲኑ: ብድኽነትን መሰረታዊ ቀረብን ተሳቕዩን ንዓመታት ብዘይ ፍትሒ ተሓይሩን እንከሎ ብጉልባብ መኸተ ዝዋጻእ ዘሎ ገንዘብን ጥሩምባ ኩናትን ድማ ንዝያዳ ህልቂት እምበር መሰረታዊ ጸገማትን ሕቶታትን ዝምልስ ኣይኮነን።
ብቀንዱ ሰልፊ ብልጽግና ብዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ: ጉጅለ ህግደፍ ብዝተኸተሎ ተጋላባጥን ሰንኮፍ ፖሊስን ኣተሓሕዛን ውልቃዊ ውሳነታትን ዘስዓቦ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።
እቲ ኣብ እዋን ሰላምን ጸገምን ህላዊኡ ዘይዝከርን፡ ዕድሉን ሃገሩን ንከማሓድር መሰልን ስልጣንን ዘይብሉ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ፡ ቀዳምነቱ ፈሊጡ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ክቃለስ እምበር ንስልጣን ጨፍላቒ ጉጅለ ህግደፍ ገንዘብ ክኸፍል ሞጎታዊ ኣይኮነን::