ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኲናት ወዲቑ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ዜጋ ናብ ወተሃደራውያን እዝታት ክኸትትን፡ ልኡላውነት ንምውሓስ ተወፋይነቱ ከረጋግጽን ዘተሓሳስብ ዘይወግዓዊ ጻውዒት ከምዘቕረበ፡ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ጠቒሶም ።
እቲ ተመዲቡ ዘሎ ናይ ክተት መደባት፡ትሕቲ 70 ዓመት ንዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮን ፡ ትሕቲ 40 ዓመት ንዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮን ማእከል ዝገበረ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ክትወረና ትመጽእ ኣላ ዝብል ልሙድ ትረኻ እንዳተረኸ፡ ኲናት ክተርፍ ከምዘይኮነን፡ ኩሉ ብዘለዎ ክቃለስ ክዳሎን ብምጽዋዕ፡ ናብ ምሕጽንታ ወዲቑ ምህላዉ’ዩ ሓበሬታ ውሽጢ ዓዲ ዘረጋግጽ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘይካ’ዚ ናይ ክተት ኣዋጃቱ፡ ኩሉ ምምሕዳራዊ ስርሓት ደው ብምባል ትዂረት ህዝቢ ናብ ኲናት ክኸውን ይሰርሕ ምህላዉ ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ ብዘይካ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ከቢድ ናይ ግፋ መደባት፡ ህዝቢ ካብ ዘለዎ ኣታሪፉ፡ ንወተሃደራት ስንቂ ከቐብልን ምስ ሰራዊት ክተሓባበርን ውን ጎስጓሳት ይካየድ ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።
እቲ ብህዝቢ ዝተፈንፈነ ፍሹል ጉጅለ፡ ምስ ብቴክኖሎጂ ዝበልጸገ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ገጢሙ ክዕወት ከምዘይኮነ ድሮ ተረዲእዎ ኣሎ ዝበሉ ምንጭታትና፡ ይኹን እምበር መርኣያ እከይ ተግባራቱ፡ ኤርትራ ብዓመታት ክትሓውየሉ ናብ ዘይትኽእል ኲናት ሸሚምዋ ክጠፍእ ብምሕላን፡ ኲናት ክውላዕ ይህንጠ ምህላዉ’ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ብመንገዲ ዋልታ ኣቢሉ ዘቕረቦ ሓተታ ውን፡ ብምፍርራሕን ምጉቡዕባዕን ዝርዕድ ሰራዊትን ህዝብን ኣብ ኤርትራ የለን ምባሉ ኣብ ሓበሬታኦም ዝጠቐሱ ምንጭታት ኤሪፒኤም፡ ይኹን እምበር እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ባይታዊ ሓቂ፡ ምስቲ እቲ ጉጅለ ዝሰርሖ ናይ ፕሮፖጋንዳ መደባት ኣዝዩ ዝጻረር ምዃኑን ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥፍኣት እቲ ጉጅለ ይህንጠ ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ናይ ክተት ጻውዒት ብተወሳኺ ፡ በብምምሕዳራት ኣብ ዝካየድ ኣኬባታት ውን፡ ህዝቢ ገንዘባዊ ደገፍ ክገብር ይሓትት ምህላዉን፡ ድሮ ውን ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ምዝማት ተዋፊሩ ከምዘሎ ዝጠቐሱ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ ይኹን እምበር እቲ ስዑር ጉጅለ ምሉእ ብምሉእ ህዝባዊ ውክልና ብምስኣኑ ፡ ኪንዮ መንእሰያት ምጥፋእ ዝሓልፍ ዓወታት ከመዝግብ ከምዘይኮነ’ዮም ዘረጋግጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡
ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንህሉው ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ቀይሕ ባሕሪ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ እዩ ክብል ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ንናጽነት ኤርትራ እውን ብዘይፍትሓዊ መስርሕ ዝተኻየደ ሽርሒ እዩ ክብሎ ምፍታኑ፡ ህግደፍ ንሃገርና ገዲፉላ ዝኸይድ ዘሎ ሓደጋ ክብደቱ ብቐሊል ዝጥመት ከምዘይኮነ ዘረጋግጽ እዩ።
ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣድሚራል ክንዱ ገዙ ኣብ ቃላቱ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበራ መሪሕ ተራ ንምምላስ ዘለዋ ቆራጽነት፡ ዳግም ብዝሓየለ መልክዑ ተላዒሉ ምህላዉ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ምርሓቓ ብታሪኽ ዘሕዝን ፍጻመ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብሕግን ብዲፕሎማስን እንተዘይተዓዊቱ፡ ነቲ ዕላማ እቲ ንምዕዋት ካልእ ኣማራጺ ተጠቂማ ውን ከም እትሰርሕ ዘገንዘበ ኮይኑ፡ ህግደፍ ንሃገርና ናብ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ መሪሕዋ ምውዳቑ ፡ ዘተሓሳስብ ይገብሮ።
ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ርክብ ኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐ ታሪኻዊ ዝምድና ምዃኑ ዝጠቅስ እቲ በዓል ስልጣን፡ ርክብ ኢትዮጵያን ማያት ቀይሕ ባሕርን፡ ከምቲ ገለ ገለ ሰባት ዝብልዎ፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝጀመረ ከምዘይኮነ ብምግላጽ እዩ፡ ኢትዮጵያ ወናኒት ባሕሪ ምዃና ዝገልጽ።
ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ባሕሮም ከም ዝመልሱ ርግጸኛ’የ ዝበለ ክንዱ ገዙ፡ ኣብዚ እዋን ዘሎ ወለዶ ረብሓታት ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምዕዋት ክተባባዕን ክለዓልን፡ ናብ ናይ ቅድም መኮነናት ሃገሩ ጻውዒት ብምቕራብ’ዩ መደርኡ ዝዛዝም።
ህዝቢ ኤርትራ ብምብታን፡ ህላወ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሕቶ ምልክት ክወድቕ ዝገበረ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን እንተኾነ ኣብ ዝባን ህዝብና ብቐሊል ዘይሓዊ በሰላ ንምግዳፍ ይደክም ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ህዝቢ ነዚ ተረዲኡ ምስ ኢሰይያስ ብምዃን ትድሕን ሃገር ከምዘየላ ክኣምንን ንጹር ናይ ቃልሲ ዕላማ ክተክልን ከምዝግባእ’ዩ መደረ እቲ በዓል ስልጣን ዘዘኻኽር ።