መራሕቲ ህወሓት ኣብ ጉጅለ ህግደፍ ዝነበሮም እምነት ባይታ ከምዝዘበጠ ተገሊጹ።
ፖለቲካውያን መራሕትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ህወሓት፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ እንዳበሉ ዝጽውዕዎ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ዝነበሮም እምነት ባይታ ከምዝዘበጠን፡ እቲ ንኤርትራ ዘባደመ ናይ ጽንተት ጉጅለ፡ ፖለቲካዊ ሽግራት ትግራይ ካብ ምውሳኽ ወጻኢ፡ ኣንጻር ስርዓት ብልጽግና ኣበርቲዖም ንኽቃለሱ ዘኽእሎም ፡ እዚ ክበሃል ዝኽእል ሓገዝ ከምዘይገበረሎምን ብምረት ይገልጹ ምህላዎም፡ ንውሽጣዊ ኩነታት ዝምድና ስርዓት ህግደፍን ህወሓትን ብዕምቆት ዝርድኡ ምንጭታት ኤሪፒኤም ዝሰደድዎ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ካብቲ ኣብ 2020 ዝተወልዐ ኲናት ብዝኸፈአ መልክዑ ዋጋ ዝሓትት ምዃኑ ዝገልጹ ኣባላት ህወሓት፡ ብደረጃ ኣባላት መሳርዕን ፖለቲካውያን ኣመራርሓ ህውሓትን፡ ኣብ ኣስመራ፡ ካልኦት ከተማታት ኤርትራን ከባቢታት ዶብን፡ ምስ መራሕቲ ግንባራት፡ ኣሃዱታት፡ ካድራትን ኣመሓደርትን ስርዓት ህግደፍ ኣዘውቲሩ ዝካየድ ርክባት ወላ’ኳ ከካይዱ እንተጸንሑ፡ ካብ ናይ ሚድያ ምሳኹም ኣለና ዝብል መብጽዓ ወጻኢ፡ ዝጥቀስ ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ዝጠቕሱ ኮይኖም፡ ጠለብ ምስ ዘቕርብ ኣካልን፡ ቃል ምስ ዝኣቱ መሪሕነትን ዝካየዱ ስቱራት ኣኼባታት፡ ክሳብ ሕጂ ዝጥቀስ ጥቅሚ ከምዘይተረኽቦምን፡ ካልእ ይትረፍ ንጥሜት ከዕግስ ዝኽእል ናይ መግቢ መሻርፍ እኳ ከምዘይቀረበሎም’ዮም ብምረት ዝገልጹ።
ናይ ሕጂ መሪሕነት ጉጅለ ህግደፍ ናይ ቀደም መሪሕነት ህግሓኤ፡ ኣይኮነን ንህውሓት ንህዝቢ ትግራይ’ውን እንተኾነ ኣብ ርእሲ ጭንቁ ጭንቂ፡ ኣብ ርእሲ ሕሰሙ ሕሰም እናደረበ ዝመጸ ኣካል ምዃኑ ዝጠቕሱ ኣባላት መሪሕነት ህወሓት፡ ንሕሉፍ ታሪኽ ዓጸቦን፡ ምኽታር መንገዲ ስደት ህዝቢ ትግራይ ኣብ 1984/1985 ብምዝካር፡ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ዝነበሮም ናይ ክሕግዘና’ዩ ተስፋ፡ ምሉእ ብምሉእ ሃጢሙ ውድብ ህወሓት ኣብ ቀራና መንገዲ ምህላዉ’ዮም ምንጭታትና ናይ ውሽጢ ሓበሬታ ብምጥቃስ ዘረጋግጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ካብ ክፍለ ሰራዊት 23 ቀዳመይቲ ብርጌድን፡ ሓንቲ ቦጦሎኒ ኣሃዱ ስለያን ጉጅለ ህግደፍ፡ ቅድሚ ዓሰርተ መዓልታት ብምዕራባዊ ሸነኽ ሑመራ፡ ብለይቲ ሰላሕ እናበለት ሩባ ተከዘ ክትሰግር ምሕዳራ ዘረጋገጹ ኮይኖም፡ እዚ ዓቕሚ ሰራዊት ጉጅለ ህግደፍ፡ ንዕጡቓት ፋኖ ብፍላይ ኣብ ወተሃደራዊ መጽናዕቲ፡ ምምራሕን ምስታፍን ኲናት ዘድሊ ድጋፍ ንምግባር ዝኣተወት ክትከውን ከምትኽእል ብምሕባር፡ ድሕሪ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ምእታዎም ግን ብርግጽ ኣብዚ ቦታ እዚ ኣለዉ ዝብል ሓበሬታ ዘይምህላው ብምጥቃስ፡ ምስ ዕጡቓት ፋኖ ተመሳሲላ ክትህሉ ከምትኽእል ግምቶም ኣቐሚጦም ።
ብኻልእ ወገን፡ ካብ ውሽጢ ዓዲ ናብ ኤሪፒኤም ሓበሬታ ዝለኣኹ ተቓለስቲ ውሽጢ ዓዲ፡ ኣብ መንጎ መሪሕነት ሃገራዊ ድሕነት ህግደፍን ቤትጽሕፈት ፖለቲካዊ መሪሕነት ህግደፍን፡ ቀስ እናበለ ክጉህር ዝጸንሐ ግጭት ተባሪዑ ምህላዉን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ግጭት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዓሪጉ፡ ብፍላይ ኣብ መንጎ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኣብርሃ ካሳን፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ስርዓት ህግደፍ የማነ ማንኪን፡ ናብ ግዳም ዝወጸ ቃልዕ ምዝንጣልን፡ ናብ ናይ ቃላት ምምልላስን ምንእኣስን በጺሑ ምህላዉ ኣረጋጊጾም።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ቀንዲ መጋበርያ ኢሳያስ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ጠዓመ ጎይትኦም (ጠዓመ መቐለ)፡ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ መንገዲ ደስኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ኣትሒዙ፡ ሰሙናዊ ዓርቢ ብኣተሓሕዛ ሓለዋ እሱር፡ ናብ ገጽ ኢሳያስ ይቐርብ ምህላዉ ኣብ ትዕዝብቶም ዝጠቐሱ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ የማናይ ኢድ ኢሰያስ ኣብ ዝነበረ ጠዓመ መቐለ ዝርአ ዘሎ ሞራላዊ ውድቀት ንባዕሉ፡ በዓል ግዜ ነበር ጠዓመ መቐለ ፡ ሓለንጊ ውልቀመላኺ ኣረኻኺብሉ ክኸውን ከምዝኽእል’ዮም ግምቶም ዘቐምጡ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ብሰንኪ’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ደማዊ ኲናት ኣብ ክልተ ደምበ ተመቒሉ ኣብ ተፋጠጥ ኣትዩ ምህላዉ ዝጠቕሱ ምንጭታትና፡ ምስ ሓሳብ ኢሳያስ ዝተሰማመዐ ገለ ክፋል ህግደፍን፡ ናይ ኲናት ሸውሃት ኢሰያስ ዝተጸየነ ገለ ክፋል ህግደፍን ኣብ ክልተ ተመቒሉ ፡ ህግደፍ ገና ናብ ምሉእ ኲናት ከይኣተወ ብውሽጡ ይሕቆን ምህላዉ’ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
ብፍሊጶስ ወልደየውሃንስ ዝምራሕ ሓለዋ ዓዲ ኣቤቶን ክትትል ቤትማእሰርትን ውን ብተመሳሳሊ፡ ምሉእ ጸብጻብ ኣብ ትሕቲኦም ዝመሓደራ ቤትማእሰርቲ ከረክብ፡ ብውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ተሓቲቱ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ ኩሉ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርአ ዘሎ ግዙፍ ዘይምርግጋእ፡ ህግደፍ ብዘይ ኲናት ክወድቕ ዝኽእል ጉጅለ ኮይኑ ምህላዉ ዘረድእ’ዩ።