ሕቡራት ሃገራት፡ ጉጅለ ህግደፍ ምጭዋይን ምስዋርን ዜጋታት ብህጹጽ ደው ከብል ጸዊዑ።
ኣብ ኤርትራ ካብ 1991 ጀሚሩ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝቐጸለ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ብግዲ ዜጋታት ናይ ምስዋር ስጉምቲ፡ ከምኡ ውን ተሓታትነት ዘይብሉ ጭውያ ተበራቲዑ ይቕጽል ምህላዉ ብምግላጽ፡ እዚ ተግባር’ዚ ብህጹጽ ደው ክብል ዘይሻራዊ ትካል ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።
እቶም ኣብ ጀነቫ ዝመደበሮም ክኢላታት፡ እዚ ስጉምቲ ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘውረዶ ግህሰት ክገልጹ እንከለዉ፡ ንልዕሊ 35 ዓመታት፡ ኤርትራውያን ብዘይ ዝኾነ ክስን ፍርድን ናይ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ግዳይ ኰይኖም ጸኒሖም እዮም ዝበሉ ኮይኖም፡ ገበናት ጉጅለ ህግደፍ ህጹጽ ፍታሕ ክናደየሉ ከምዝግባእ”ዮም ዝጽውዑ።
እቶም ብጉጅለ ህግደፍ ተጨውዮም ዝርከቡ ኣሽሓት እሱራት፡ ምስ ስድራቤቶም ኰነ ምስ ሕጋዊ ጠበቓ ከይራኸቡን፡ ሕጋዊ ፍርዲ ከይረኽቡን ተኸልኪሎም ምህላዎም ዘረድኡ እቶም ክኢላታት፡ ደሃይን ኣድራሻን እቶም ናጽነት ዝተሓረሙ ዜጋታት ኣበይ ምህላዉ ከምዘይፍለጥ ድሕሪ ምጥቃሶም፡ እዚ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ቤተሰቦምን ማሕበረሰቦምን ቀጻሊ ዝኾነ ስቓይን ጭንቀትን ፈጢሩ ምህላዉ’ዮም ዝጠቕሱ ።
ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ዘስመርሉ ዘየባትኽ ስቓይ ስድራቤታት፡ ወለዶም ብግዲ ዝተሰወሩዎም ዜጋታት ንቢቢሲ ብዘካፈልዎ መሪር ምስክርነት ብግህዶ ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ ጓል ላዕለዋይ መራሒ ብረታዊ ቃልስን ምኒስተር ነበርን ጴጥሮስ ሰሎሞን ዝዀነት ሃና ጴጥሮስ ሰሎሞን፡ ጓል ዓሰርተ ዓመት ከላ ኣቦኣ ብ18 መስከረም 2001፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብር ምስ ወጸ ብኣባላት ጸጥታ ተወሲዱ ዘይተመልሰ፡ ከምኡ ውን ኣደኣ ኣስቴር ዮሃንስ’ውን ኣብ ኣመሪካ ትምህርታ ወዲኣ ምስ ደቃ ንኽትጽንበር ናብ ሃገራ ክትምለስ ካብ ሰበ ስልጣን ውሕስነት ተዋሂብዋ ክነሱ፡ ብ11 ታሕሳስ 2003 ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስ በጽሐት ብኡንብኡ ተኣሲራ ድሃያ ምጥፍኡን፡ ንዘይሰብኣዊ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ኣጉሊሑ ዘንጸባርቕ’ዩ ።
ኣብ ኣሜሪካ ከም ክኢላ ስነ-ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ (trauma specialist) ኰይና እትሰርሕ ሃና፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝሰዓበ ጓሂ ክትገልጽ ኣብ ዝፈተነትሉ ሰዓት፡ ሓደሓደ ግዜ ጸጥ ትብል’ሞ ኣብ ልዕሊ ማይ ትንሳፈፍ፡ ካልእ ግዜ ግን እቲ ሓዘን ከም ማዕበል ኰይኑ ይውሕጠካ’ሞ ኣብ ማዕሙቕ የጥሕለካ ምባላ ዝዝከር ኮይኑ፡ወለደይ ብህይወት ምህላዎም እኳ ኣይፈልጥን ክትብል ዝሃበቶ ቃል፡ ናይቶም ድምጾም ክህቡ ዕድል ዘይረኸቡ ስድራ ግዳያት ኣብ ግምት ብምእታው ገበናት ህግደፍ ህጹጽ ፍታሕ ከምዝጠልቡ’ዩ እቲ ዘየሻራዊ ትካል ዝጽውዕ።
ብተመሳሳሊ፡ ወዲ እቶም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ኣባላት ጉጅለ-15 ዝነበሩ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎን ኣስቴር ፍስሃጽዮንን ዝኾነ ኢብራሂም ማሕሙድ፡ ወዲ 15 ዓመት ከሎ ክልቲኦም ወለዱ ብኣባላት ጸጥታ ተወሲዶም ከም ዝተሰወሩ ዘዘንቱ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ኔዘርላንድስ ብፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ናይ ማስተርስ ትምህርቱ ዝከታተል ዘሎ ኢብራሂም፡ “ንዓይ 18 መስከረም 2001 ጸላም መዓልቲ እያ፡ ንዓይ ጥራይ ዘይኰነትስ ንኤርትራን ህዝባን እውን ጸላም መዓልቲ እያ ብምባል ተዘክሮ ቃንዝኡ ምክፋሉ ይዝከር።
ብስግኣት ስልጣን ዘበገሶ ፍርሒ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተራእዩ ዘይፍለጥ ገበናት ዝፈጸመ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 25 ዓመታት ጥራሕ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ሰዊሩ፡ ምስ ኣርባዕተ ሃገራት ቅሉዕ ኲናት ኣዊጁ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ስደት ክሰፍሩ ምግባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ በዚ ጉጅለ ዝፍጸመ ዘሎ ገበናት ገና ደው ከምዘይበለ ዝኸሰሰ ዘይሻራዊ ትካል ሕቡራት ሃገራት፡ ጸረ ተፈጥሮ ዝኾነ ጉጅለ ህግደፍ ይኣክል ክበሃል ከምዝግባእ’ዩ ዝገልጽ።