ኲናት ንምጽሕታር ላዕልን ታሕትን ኣብ ምባል ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ መሓዝኡ ግብጺ ብምዃን ንጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ኣመልኪቱ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኡ።
ሓባራዊ መግለጺ ግብጽን ጉጅለ ህግደፍን፡ ድሕነትን ምሕደራን ቀይሕ ባሕሪ፡ ገማግም ባሕሪ ንዘለወን ሃገራት ጥራይ ዝምልከት ዝበለ ኮይኑ፡ ናይቲ ገማግም ባሕሪ ኣካል ዘይኮና ሃገራት፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ቀይሕ ባሕሪ ንምቁጽጻር ዝገብርኦ ፈተነታት ኩሉ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጠሓሰ እዩ ብምባል’ዩ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ መጠንቀቕታ ዘሕልፍ።
ንመግለጺ ግብጽን ህግደፍን ትማሊ ሰንበት ኣብ ሕታሙ ዘስፈረ ጋዜጣ፡ ግብጻዊ ጋዜጣ ኣል ኣህራም ኮይኑ፡ ኣብቲ ብመንገዲ ዌብሳይት ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ክልቲአን ሃገራት ብመንገዲ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኣቢለን ኣብ ዘካየድኦ ዘተ፡ ነዚ ሓባራዊ መርገጺ እዚ ወግዓዊ ክገብራ ኣብ ስምምዕ ምብጽሐን እዩ ዝገልጽ።
ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘይብለንን፡ ኣካል ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘይኮነናን ሃገራት፡ ኣፍደገ ባሕሪ ብጉልበት ንምሓዝ ዝገብርኦ ዘለዋ ፈተነ ንኹንን ዝበለ መግለጺ ግብጽን ህግደፍን፡ ብውክልና ፋኖን ህወሓትን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝገብርዎ ዘለዉ ኢድ ኣታውነት ግን ክገልጽዎ ኣይተሰምዑን።
ምስ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ዘመን ብዝወሰደ ዘይተፈትሐ ጉዳይ ፈለግ ኒል ኣብ ቁርቁስ እትርከብ ግብጺ፡ ዘይምርግጋእ ኢትዮጵያ ንምርግጋጽን ረብሓኣ ንምውሓስን፡ ወትሩ ጸረ ሓድነት ኢትዮጵያ ዝኾኑ ውዳቤታት ኣብ ምፍጣር ከምእትርከብ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ፡ ኣብ ኲናትን ወረ ኲናት ተሓቢኡ ንምንባር፡ ድሌታት ግብጺ ንምዕዋት ንህዝቢ ኤርትራ ዘይምልከቶ ዋጋ ንከኽፍሎ ኣብ ጻዕሪ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝብታት ሃገሩ ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ህግደፍን ህወሓትን ፋስን ዕንጨይትን ብምዃን ፡ ረብሓ ግብጺ ንምርግጋጽ ይሰርሑ ምህላዎም ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ብምእታው ዝገብሮ ዘሎ ሓደገኛ ምትኹታኽ ንባዕሉ ነዚ ሓቂ እዚ ዘረጋግጽ እዩ።
ብወገን ኢትዮጵያ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ብጉልበት ንምሓዝ ዝግበር ምትኹታኽ ንባዕሉ፡ ሕጋዊ ደገፍ ዘይብሉን፡ ንኣህጉራዊ ሕጊ ዝጻረርን ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ጉጅለ ህግደፍ ኲናት ትግራይ ንምምራሕ፡ ምስ መንግስቲ ብልጽግና ዝገበሮ ውዕላት ኩሉ፡ ዘላቒ ሰላም ክፈጥር ብዘይምኽኣሉ ፡ ዝተፈጥረ ሳዕቤን ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።