ኢትዮጵያን እስራኤልን፡ ብመንገዲ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሃገራተን ኣቢለን ኣብ ዝገበረኦ ርክብ፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ከምዝተዛተያ ተገሊጹ።
እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተገብረ ርክብ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ጊዴዎን ሳርን፡ ኢትዮጵያዊ መዘኑኡ ዶ/ር ጊዴዎን ጢሞቴዎስ ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ሰበስልጣና መንግስታት እስራኤልን ኢትዮዕያን፡ ንህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ዛዕባ ብምግባር ናይ ቴለፎን ርክብ ከምዘካየዱ”ዩ ዝንገር።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ሳር ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምስ መዘናይ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ተዘራሪበ ክብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ኣብቲ ዝተገብረ ርክብ ንዝተላዕሉ ነጥብታት ኣመልኪቱ ብዝርዝር ዘቀመጦ ነጥብታት የለን።
እቲ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን ኣስዒቡ፡ ኣገዳስነት ሓድነትን ምርግጋእን፡ ኣገዳስነት ጸጥታዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ከምኡ’ውን ሰላምን ምርግጋእን ክልቲአን ሃገራት፡ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዝህልዎ ሓባራዊ ረብሓን ኣመልኪቱ ከምዝዘተዩን ወሲኹ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ እስራኤል ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተወሊዑ ኣብ ዘሎ ሓደገኛ ኩነታት፡ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ክትስለፍ ምኳና’ዩ ዝእምት።