ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቶማስ ፒጎት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጻባኢ መርገጽን ስጉምቲታትን ካብ ምውሳድ ክቁጠባን ኣደብ ክገብራን፥ ብዝለዓለ ደረጃ ዝምድናአን ናብ ንቡር ክምለስ ክጽዕራን ጸዊዑ።
እቲ ብሰለስተጥቅምቲ 2026 ንጉጅለ ህግደፍን ንሰልፊ ብልጽግናን ኣመልኪቱ ብኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣቶ ቶማስ ፒጎት ዝወጸ መግለጺ፡ ኣርባዕተ ዓበይቲ ነጥብታት ዘቀመጠ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ሓይልታት ጎነጽ ካብ ምፍጣር ክቁጠቡ’ዩ ዘጠንቅቕ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ካብ ዘቀመጦም ዓበይቲ ነጥብታት…
1፡ ስግረ ዶባዊ ወጥሪ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣሉታ ክጸልዎ ስለዝኽእል ክልቲአን ሃገራት ካብ ተጻብኦ ክቑጠባ።
2፡ ክልቲአን ሃገራት ንልኡላውንትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጎሮባብተንን ናይ ገዛእ ርእሰንን ከኽብራ።
3፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ወጥርን ግጭትን ክጻወር ከምዘይኽእል፡ ከሙኡ ውን ክልቲአን ሃገራት ነቲ ኣብ 2018 ዝፈረምኦ ውዕል ሰላም ብተወፋይነት ከኽብራ ከም 4ይ ነጥቢ ዘቐመጠ ኮይኑ፡ ክልቲኤን ሃገራት ነዚ ዞባ ካብ ምሕማስ ክቁጠባ’ዩ ዘተሓሳስብ።
ሰልፊ ብልጽግና ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጅሚሩ ኣንጻር ክልል ትግራይን ናይ ጥምረት ሓይልታትን ሰፊሕ ኩናት ብምኽፋት ንመቀለን ካልኦት ከባቢታትን ትግራይ ተቆጻጺሩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ ብስም ጽምዶ ምስ ህወሓትን ናይ ጥምረት ሓይልታት ኢትዮጵያን ወጊኑ፡ ኣንጻር ሰልፊ ብልጽግና ተሰሊፉ ምህላዉ፡ ተደጋጋሚ ግዜ ኣብ ምርግጋጽ ጸኒሑ’ዩ።
ሰልፊ ብልጽግና ንክልል ትግራይ ድሕሪ ምቑጽጻር፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን ኣንጻር ኤርትራ መጥቃዕቲ ከይካይድን፡ ንሰራዊት ትግራይ ንምህዳን ስግረዶባዊ ተጻብኦ ከይውላዕን ዓቢ ስግኣት ተፈጢሩ ምህላዉ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ሃገሩ ንዝነበረ ኤምባሲ ኤርትራ ብምዕጻዉ ዲፕሎማሰኛታት ምስጓጉን፡ ነቲ ንሰልስተ ዓመታት ክሕቆን ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኩናት ብዝለዓለ መልክዑ ኣብ ተግባር ከይውዕል፡ ንምምሕዳር ትራምፕ ኣሻቂሉ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ኣመሪካ ምስ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ወጥሪ ረብሓታታ ንምሕላው፥ ነቲ ምስ ኩናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር እብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት እገዳ ብምልዓል ዝምድናኣ ከተማሓሽ ተበግሶ ከምዝወሰደት ይዝከር።
ብዘይካ’ዚ ሕብረት ኤውሮጳ ዓባይ ብሪጣንያን እስራኤልን እውን ተመሳሳሊ ምሕጽንታ ኣቅሪበን ኣለዋ።