ብስም ጽምዶ፡ ንኹሎም ኣንጻር መንግስቲ ፌደራል ቃልሲ ዘካይዱ ዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣኪቡ፡ ናይ ጥምረት ሓይሊ ዘቆመ ጉጅለ ህግደፍ፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወራር ፈጺማ ዝብል ክሲ፡ ምሉእ ብምሉእ ብፈጠራ ዝተዳለወ ሓሶት እዩ ክብል ነጺጉ።
ኣብ ጸበባን ረብሻን ወዲቑ ፡ ኣብ ሃገር ምሉእ ናይ ክተት ኣዋጅ ኣበጊሱ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ትማሊ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ዜና እቲ ጉጅለ ኣቢሉ፡ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ነዊሕ መግለጺ ዘውጽአ ኮይኑ፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወራር ኣይፈጸመትን ክብል’ዩ ነቲ ጸሓይ ዝቐልዖ ምስጢራቱ ክኽሕድ ፈቲኑ ዝርከብ።
ሚኒስትሪ ዜና እቲ ጉጅለ ኣብቲ መግለጺኡ፡ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ንስምምዕ ወይ ንዘተ ዝቐርብ ከምዘይኮነ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ብኣንጻሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንስትራተጂያዊ ዕላማታት ኣድላዪ እዩ ብዝብል ምኽንያት፡ ልኡላዊ ዶብ ኤርትራ ንምጥሓስን ንምውራርን ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ዝኸስስ።
እቲ ሚኒስትሪ ኣስዒቡ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን፡ ውጽኢት ናይቲ ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ኢትዮጵያ ንዓመታት ብዕላማ ክፍጽሞ ጸኒሑ ዝበሎ፡ ምስ ጂኦፖለቲካዊ ረብሓታት ዝተኣሳሰር ገዛኢ ፖሊሲ ከምዝኾነ ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ንኹሉ’ቲ ንዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያ ብረትን ስንቅን ብምቕባል ዝኸዶ ርሕቀት ብምኽሓድ፡ ኢትዮጵያ ተሓታቲት ምዃና’ዩ ዝኸስስ።
እዚ ኩነታት እዚ፡ ብወተሃደራዊ ምፍርራሕ፡ ብዲፕሎማስያዊ ጽልኢ፡ ብቁጠባዊ ምፍርራሕን ብገንዘባዊ ደገፍን ዝተሰነየ ከምዝኾነ እውን ኣብ መግለጺኡ ዝጠቐሰ ምኒስትሪ ዜና ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኩሎም ወገናት ርግኣት ናይቲ ዞባ ክሕልዉን፡ ነቲ ወጥሪ ከህድኡን ዘቕረቦ ጻውዒት ብምንቃፍ፡ ሕጋውነት ዘይብሉን ንዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ዝጎድእን እዩ ክብል’ዩ ኩነኔኡ ኣቕሪቡ ዝርከብ።
ከምዚ ዓይነት መግለጺታት፡ ልኡላውነቱ ንዝከላኸል ወገንን፡ መሬት ካልእ ወገን ንኽወርር ተበጊሱ ንዘሎ ወገንን ማዕረ ዝገብር እዩ ዝብል ርእይቶ ዘቐመጠ ጉጅለ ህግደፍ፡ እዚ ድማ ንተወሳኺ ሓላፍነት ዘይብሉ ተግባራት በሪ ክኸፍት ከምዝኽእል እዩ ወሲኹ ዘጠንቅቕ ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ ግዝኣትን ሓድነትን ኢትዮጵያ ወረራ ፈጺማ ዝብል ክሲ፡ ምሉእ ብምሉእ ዝተሰንዐ ሓሶት እዩ ዝበለ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ 2020 ኣትሒዙ ኣብ ልኡላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ብምእታው ንዝፈጸሞ ገበናት ብምሽፋን፡ ወራሪ ከምዘይኮነ’ዩ ከረጋግጽ ዝፍትን።
እቲ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ዝበለ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ሓላፍነት ንምህዳም፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንምትላልን፡ ንዝተጀመረ ምስፍሕፋሕ ግዝኣት ሕጋዊ መልክዕ ንምሃብን ዝዓለመ፡ ዝተወደበ ናይ ሓበሬታ ኲናት ክፋል ክብል ዝኸስስ ኮይኑ፡ ነቲ ብዘይ ኣፍልጦ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይን ኣምሓራን ክገብሮ ዝጸንሐ ናይ ጥፍኣት ጽምዶ ግን ከወግዞ ኣይተሰምዐን።
ካብ 2020 ኣትሒዙ፡ ናብ ሰፊሕ ከባቢታት ትግራይን ኣምሓራን ዓፋርን ብምእታው ሰፍ ዘይብል ሰብኣዊ ክሳራታትን ንብረታዊ ዕንወትን ዘውረደ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ወራር ከምዘይፈጸመን ብመንገዲ ኬንያ ምስ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲያዊ ዘተ ከምዝጠልብን ኣብ ምግላጽ ወላ’ኳ እንተሃለወ፡ ገበናቱ ንምሽፋን ዘኽእሎ መሰረትን ሓቅን ግን የብሉን።