ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ነበርቲ ዲስን ከባቢኣን፡ ነዊሕ እዋን ድሕሪ ዝወሰደ ቃልሲ፡ ሓድሽ ዘመናዊ ህንጻ ከመርቅ ከምዝበቕዐ ምንጭታት ኤሪፒኤም ካብቲ ቦታ ኣረጋጊጾም።
ነበርቲ ዲስን ከባቢኡን ብሓባር ተጠርኒፎም፡ ሓደ ብሓባር ክዓብይሉ ክተሓጋገዝሉን ክዘናግዕሉን ዝኽእሉ ናተይ ዝብልዎ ቤት ጽሕፈት ንምኽፋት፡ ዝሓለፈ 30 ዓመት ዝደኸሙሉ ሕልሚ ምንባሩ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ እንሆ ሎሚ ድማ እዚ ናይ ብዙሓት ሕልሚ ክውን ኮይኑ፡ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ከምኡ’ውን ኤርትራውያን ኣባላት ማሕበረሰብ ዲስን ከባቢኣን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ፡ ብ17 ጥቅምቲ 2026 ብኽብ ዝበለ ጽንብልን ድምቀትን ከምዝተኸፍተ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብቲ ናይ ምምራቕ ስነስርዓት፡ ብዙሓት ነበርቲ ዲስን ከባቢኣን፡ ካብ ሰዓት 11 ናይ ንግሆ ጀሚሮም ክሳብ ምሸት ሰዓት 11፡ ዝተፈላለየ ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት ከምዘካየዱ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ዕላማ ምምስራት ናይዚ ማሕበረሰብ፡ ህጻናት ዝዛናግዕሉን ዝላለይሉን ቦታ ንምፍጣር ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብዚ ናይ መመረቕታ ዕለት ብመንእሰያትን ህጻናትን ዝቐረበ ፍሉይ ናይ ምዝንጋዕ መደብ ከም ዝተዳለወ’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዲስን ከባቢኣን፡ ነዚ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ንምኽፋትን ንምዕዋትን፡ ልዑል ኣበርክቶ ምግባረን ዝገለጸ ምንጪ ኤሪፒኤም፡ እቲ ብትግሃት ደቂ ኣንስትዮ ዝተበገሰ ፕሮጀክት፡ ብዙሓት ነበርቲ ዲስን ከባቢኣን ስለዝሰዓብዎ፡ ሎሚ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ዝጥርነፈሉ ዘመናዊ ህንጻ ክምረቕ በቒዑ ምህላዉ’ዩ ወሲኹ ዘረድእ።
ኤርትራውያን ተቐማጦ ዲስን ከባቢኣን ናይዚ ተኸፊቱ ዘሎ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ተረባሕቲ ክኾኑን፡ ድልዱል ሕብረተሰባዊ ጥርናፈ ኣብ ምፍጣር ክዋስኡን ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፡ ንምዕባዩን ቀጻልነቱ ንምርግጋጽን ትጉህነት ዝሓወሰ ተሳትፎ ከካይዱ ከምዝግባእ’ውን መዘኻኸሪ ከምዝቐረበ’ዩ ሓበሬታ ምንጪ ኤሪፒኤም ወሲኹ ዝጠቅስ።