ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ሆላንድ ሰሚናር ኣካይዱ።
ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ሆላንድ ትማሊ 31 ጥቅምቲ 2026፡ ተቓላሳይ ጆን ብላክ ኣብ ዝተረኽበሉ ኣጋጣሚ፡ ንጉዕዞ ቃልሲ ናይቲ ምንቅስቓስ ማእከል ዝገበረ ሰሚናር ከምዘካየደ ተገሊጹ።
እቲ ብርክት ዝበሉ ተቓለስቲ ፡ ካብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝመጹ ደገፍቲ ቃልሲ፡ ደለይቲ ፍትሕን ብርክት ዝበላ ተቓለስቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘሳተፈ ሰሚናር፡ ንንጹር ዕላማ ብርጌድ ንሓመዱን ኣመት መጻኢ ቃልሱን ኣመልኪቱ ሰፊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ዘተ ዘካየደ ኮይኑ፡ ካብ ተሳተፍቲ ብዝቐረበ ብርክት ዝበለ ሕቶታት ውን ከምዝተላዘበ’ዩ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘረድእ።
ገምጋም ቃልሲ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ኣብ ሆላንድ ምስ ቃልሲ ብርጌድ ንሓመዱ ብምዝማድ ዝተፈጥሩ ሽግራትን ኣፈታትሕኦምን፡ ጉዳይ ኣብ ተቓለስቲ ዝወረደ ዕዳን ሓላፍነቱ ዛኣመሰሉ ዛዕባታት፡ ኣብቲ ሰሚናር ብሰፊሕ ከምዝተላዕሉ ውን ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ተኣትዩ ዘሎ ሃዋጺ መድረኽ ህጹጽ ምንቕቓሕ ቃልሲ ይጠልብ ምህላዉን፡ ቃልስና ሓይሊ ይደሊ ምህላዉ ውን’ዮም ተቓለስቲ ዝሰማምዑ።
ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ሆላንድ፡ ቃልሲ ብርጌድ ንሓመዱ ካብዚ ተኣትዩ ዘሎ ናይ ደውታ መድረኽ ወጽዩ ጽልዋ ክፈጥርን፡ ደውታ ብምስጋር ሽግራትን ኣፈታትሓን ማእከል ኣብ ዝገበረ ንጥፈታት ቃልሲ ንጡፍ ተሳታፍነት ከንጸባርቕን ዝተሰማምዑ ኮይኖም፡ ኣብ ምዝዛም እቲ መድረኽ ንነዊሕ እዋን ብኣካል ተፈልዩ ንዝጸንሐ ተቓላሳይ ጆን ብላክ ናይ ክብሪ ስነስርዓት ምቕባል ብምክያድን፡ ናይ ምዝንጋዕ መድረኽ ብምድላውን ሰሚናሮም ዛዚሞም።