ግምባር ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ሽወደን፡ ትማሊ 31 ጥቅምቲ 2026 ብርክት ዝበሉ ተቓለስቲ ኣባላቱ፡ ደገፍቱን ካልኦት ኣጋይሽ ደገፍቲ ቃልስን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ፡ ሓባራዊን እዋናዉን ዘተ ኣካይዱ።
እቲ ኣብ ከተማ ያቭለ ዝተኻየደ ዕዉት ዘተ፡ ልዕሊ 200 ተቓለስትን ደገፍቲ ቃልስን ዝተሳተፍዎ ስነስርዓት ምንባሩ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ኣባላት እቲ ግንባር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብደረጃ ጨንፈር ዘካየድዎ ንጥፈታትን ናይ ቃልሲ ተሳትፎን፡ ብኣቦ ወንበር ኣቶ ዘርኡ : ካልኦት ሓለፍቲ ክፍልታትን ጸብጻብን መብርህን ተዋሂቡ።
ነጠፍቲ ማዕከናት ዜናን ህንጸት ርእይቶን ዝኾኑ ኣቶ መሓሪ ኣብራሃምን ኣቶ ደጀን ከሰተን ዝሃብዎ መዛተዪ ዛዕባን፡ ሓባራዊ ዘተ ተሳተፍትን በቲ ሓደ ገጽ፡ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለን ቤት ምኽሪ ግምባርን ዝሃብዎ ጸብጻብ ከኣ በቲ ካልእ ገጽ፡ ንዝበዝሐ ሰዓታት እቲ ስነ ስርዓት ዝበሓተ ኮይኑ፡ ብልምዲ ኣብ መንጎ ኤርትራዉያን ካብ ዝግበር፡ ናይ ሓደ ሰብ ተዛራባይ ብዙሕ ሰብ ሰማዓይ ባህሊ ሰሚናር ብዝወጸ መልክዕ፡ ነፍሲ ወከፍ ተሳታፋይ ሓሳቡ ብነጻ ብምሃብ ዝሳተፈሉ፡ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ናይ ዘተ መድረኽ ምንባሩ፡ ንብዙሓት ተስፋ ዝሃበ ናይ ምብህሃል መድረኽ ምንባሩ’ዩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘረድእ።
ኣብቲ ናይ ዘተ መድረኽ ጉዳይ ኣብ ዞባና ተፈጢሩ ዘሎ ወጥርን፡ ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ክህልዎም ዝግባእ መርገጽን፡ ሕቶ ልኡላዉነት፡ ተራ ማዕከናት ዜና፡ ጉዳይ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ግንባርን ህሉዉ ኩነታቱን፡ ጉዳይ ደንበ ደለይቲ ለዉጥን ኣብ ዝብሉ ኣጀንዳታት ሰፊሕ ምይይጥን ዘተን ብዉዕዉዕ ተሳታፍነትን ነጻ መድረኽን ተዘትይሉ።
ኣብ መወዳእታ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ኣብ ክንዲ ሰሚናር ብንጡፍ ተሳታፍነት ዝተሰነየን፡ ብኣለይቲ መድረኽ እንዳ ተማእዘነን ዝካየድ መደረኽ ዘተ፡ ዝተባባዕ ብምዃኑ ክቕጽል ለበዋ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ነዚ መድረኽ እዚ ዕዉት ንምግባሩ፡ እኽለ ማይን ሽሻይን ብምቕራብ ብትሕዝቶ ዝማዕረገ መድረኽ ዘዳለዉ ተቐማጦ ያቭለን ከባቢኣን፡ ከምኡ ዉን ንግምባር ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ሽወደን ምስጋና ብምቕራብ ተዛዚሙ።