ህግደፍ ዝእለየሉ ዝበለጸ ሰዓት ሕጂ ምዃኑ ጀነራል ጻድቃን ገሊጹ።
ክሳብ ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምዃን ፡ ናብ ዓቢ ወተሃደራዊ ጽፍሒ ዝበጽሐ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ኤርትራን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ተሓኺኹ ዝጠፍኣሉ ዝበለጸ ሰዓት ሕጂ ምዃኑ ገሊጹ።
ብውልቀ መላኺ ኢሰያስ ዝምራሕ ጉጅለ ህግደፍ፡ መትከላዊ ጸላኢ ርግኣትን ሰላምን ኢትዮጵያ እዩ ዝበለ ጀነራል ጻድቃን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኸመይ ይፍጽሞ ናቱ መንገዲ እኳ እንተለዎ፡ እቲ ዝበለጸ ሰዓት ግን ሕጂ’ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ’ዩ ዝገልጽ።
ንውልቀ መላኺ ኢሰያስ “ቁራጽ ተመን” ክብል ዝገለጸ ጀነራል ጻድቃን፡ እቲ ውልቀ መላኺ ዓቕሙ ኣብ ዝተዳኸመሉ ሰዓት እንዳእወየ፡ ዓቕሚ ኣብ ዝረኸበሉ ሰዓት ከኣ ዕጡቓት እንዳመልመለ፡ ኢትዮጵያ ኣመት ውሽጣዊ ጉዳያ ንኸይትገብር ክጻባእ ምጽንሑ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ከምዚ እንዳበለ ክቕጽል ዕድል ክወሃቦ ከምዘይግባእ ብምጥቃስ’ዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስጉምቲ ክወስድ ዝጽውዕ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት፡ ምሉእ ደገፍ ህዝቢ ስኢኑ፡ ኣብ ፍጹም ተነጽሎ ወዲቑ ፡ ብወተሃደራውን ቁጠባውን ዓቕምታቱ ውን ተዳኺሙ ምህላዉ ዝጠቐሰ ጀነራል ጻድቃን፡ መጻኢ ዕድል ኢትዮጵያ ክወሓስን፡ ሰላማዊ ልምዓታዊ መደባት ኢትዮጵያ ብሰላም ክሳለጥን፡ ዕምሪ እቲ ጉጅለ ኣብዛ ዝበለጸት ሰዓት መዕለቢ ክርከበሉ ከምዝግባእ’ዩ ዝገልጽ።
ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣብ ናይ 17 ዓመታት ብረታዊ ቃልስን ምስረታ ፌደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያን፡ ዓብይ ኣሰር ዝነበሮ ነበር ኢታማዦር ሹም ዝነበረን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኣባል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ዘገልገለን ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ካብ ዝኾነ ይኹን ዝተወደበ ፖለቲካዊ ደምበን፡ ዕጥቃዊ ቃልስን ክርሕቕ ምዃኑን ፡ ካብ ፖለቲካ ትግራይ ጥሮታ ከምዝወጸውን’ዩ ኣብቲ ምስ TBS ዝገበሮ ቃለመሕተት ዝገልጽ።
ከም ሓደ ደላዪ ሰናይ ህዝቢ ትግራይ፡ ዕማም ቃልሰይ ወዲአ እየ ዝበለ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ እዚ ግዜ እዚ ናይ ደቀይን ነኣሽቱ ኣሕዋተይን ግዜ’ዩ ብምባል፡ ካብ መስመር ቃልሲ ከም ዝተኣለየ’ዩ ኣፍሊጡ ዝርከብ።