ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ዓወታት የመዝግብ ምህላዉ ጠቒሱ ።
ንህሉው ናይ ቃልሲ መዳያቱን ምዕባለታቱን ኣመልኪቱ መግለጺ ዝሃበ ውድብ ህወሃት፡ ስንጭሮታትን ጎቦታትን ትግራይ ምሳና ድሕሪ ምባል፡ ወሳኒ ዓወታት የመዝግብ ምህላዉ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ እቲ ህወሓት ምስ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ሓቢሩ ይሰርሕ ኣሎ እንዳተባህለ ዝውረ ዘሎ ክስታት፡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ሓሶት ምዃኑን ፡ ኣብ ባይታ ንዘሎ ኩነታት ከምዘይውክልን’ዩ ብመንገዲ ወሃቢ ቃል ናይቲ ውድብ ምኪኤለ ኣስገዶም ኣቢሉ ኣብ ዘቕረቦ መረጋገጺ ገሊጹ።
ካብ ማእከላይ ዞባ ትግራይ ተደፊኡ፡ ዝበዝሕ ሓይሉ ናብ ዶባት ኤርትራ ተጸጊዑ ይቃለስ ምህላዉ ዝንገረሉ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኣብዚ ናይ ትማሊ መግለጺኡ፡ ኣብ ግምባራትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይን፡ ወሳኒ ዓወት ይሓፍስ ምህላዉ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ስንጭሮታትን ጎቦታትን ተቆጻጺሩ ናብ ምሉእ ዓወት ይግስግስ ምህላዉ’ዩ ብመንገዲ ወሃቢ ቃሉ ኣቢሉ ዝገልጽ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ሚኪኤል ኣስገዶም ነዚ ዝገለጸ፡ ምስ ማዕከን ሓበሬታ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ከተንሳሕቡ ሓሲብኩም ትፈልጡ’ዶ ዝብል ሕቶ እንክምልስ፡ እቲ ኩነታት ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዘይተለምደ ሓድሽ ኩነት ከምዘይኮነ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ውድብ ህወሓት ኣብ ነዊሕ ናይ ቃልሲ ዘመን ዝተጠርየ እኹል ተሞክሮ ከምዘለዎ ብምርግጋጽ፡ በቲ ኩነታት ከምዘይግረምን ከምዘይምሰጥን’ዩ ዝገልጽ።
ኣስዒቡ ካብ መቐለ ተደፊኦም እዮም ወጺኦም ንዝብል ሓበሬታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍጹም ሓሶት ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ብስልታዊ መንገዲ ኣንሳሒብና እምበር ተደፊእና ኣይኰናን ወጺና ብምባል’ዩ ምጉቱ ዘቐምጥ ።
ኣብ ቃልሲ ዕንቅፋትን ምድፍፋእን ከም ዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ምኪኤል ወሲኹ፡ ህወሓት ከም ብሓድሽ ዳግማይ ምውዳብ ኣድላይ ኰይኑ ስለ ዝረኸቦን፡ ድሕነት ህዝቢ ስለ ዘገድሶን፡ ካብ መብዛሕትኡ ከተማታት ትግራይ ብዘይ ቶኽሲ ከምዝወጸ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እዚ ስትራተጂካዊ ምርጫ እዚ፡ ስዕረትን ውድቀትን ህወሓት ዘረጋግጽ ከምዘይኮነ’ዩ ዘረጋግጽ።
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጥሜትን ድርቅን እናሃለወ ወግዓዊ ዳግማይ ኩናት ዝጀመረ ህወሓት፡ ህዝቢ ትግራይ ንቀለብ ሰራዊት፡ ኩሉ መዳያዊ ምድላውን፡ ሰራዊት ዘድልዮ ስንቅን የእቱ ምህላውን፡ ነቲ ቃልሲ ውን ህዝቢ ትግራይ ይመርሖ ከም ዘሎን ዝሓበረ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ኣብዚ ጉዳይ ሪኢቶኡ ዘቐመጠ ዝበዝሕ መንእሰይ ትግራይ፡ በቲ ውድብ ተስፋ ከምዝቆረጸን፡ ሓድሽ መንእሰያዊ ሓይሊ ዝመርሓ ትግራይ ይብህግ ምህላዉን’ዩ ዘንጸባርቕ ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ሚኪኤል ኣስገዶም ኣብ ቃላቱ፡ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ሓቢሮም ይሰርሑ ኣለዉ ዝብል ክሲ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ሓሶት እዩ ክብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሐጂ ሰዓት ናብ መሬት ኤርትራ ከም ዘይሰገሩን፡ ኣብ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ትግራይ ኮይኖም ይዋግኡ ከም ዘለውን’ዩ ዝጠቅስ።
ይኹን እምበር፡ ዋና ፈጻሚ ሰላምን ጸጥታን ትግራይ ብምዃን ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ናይ ሓደራ መንግስቲ ዝተሾመ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ)፡ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ድፋዓት ኤርትራ ከም ዘለውን፡ ነቲ ዝተበታተነ ሰራዊት ውን ሓላፊ ድፋዕ ኤርትራ ገይሮሞ ከም ዘለውን ኣብ ናይ ትማሊ ቃላቱ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ህወሓት ክምለሰሉ ዝኽእል ዕድል ትሕቲ ባዶ’ዩ ምባሉ ውን ኣይርሳዕን።
ኣብ ውሽጢ ህወሓትን ኣብ መንጎ ኣዘዝትን ፍሕፍሐ ከም ዘሎ፡ ከምኡ ውን ምስ ጉዳይ ጀነራል ጆን መዲድ ብምዝማድ፡ ኣብ ውሽጥኹም ስኒት ኣሎ’ዶ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ ወሃቢ ቃል፡ እዚ ናይ ኮማንድ ሕቶ ከም ዝኾነን ባዕሉ ክምልሶ ከም ዘይክእልን ድሕሪ ምግላጹ፡ ከዲዖም ዝኸዱ መራሕቲ ግን ኣለዉ ክብል፡ ንኢድ ምሃብ መራሕቲ ህወሓት ተኣሚኑ።
ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፡ ህወሓት ወተሃደራት ካልኦት ሃገራት ኣብ ኩናት ትግራይ ይሳተፉ ኣለው ክብል ከሲሱ።
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ግፍዕታትን መጥቃዕትን ይፍጸም ኣሎ ዝበለ ውድብ ህወሓት፡ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዝኾኑ ወተሃደራት ወይ መርሲኔሪስ (Mercenaries)፡ ብቐጥታ ኣብቲ ኲናት ይሳተፉ ምህላዎም’ዩ ዝገልጽ።
ብጀነራል ታደሰ ወረደ ንዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ብረት ዘፍረሰን፡ ቤት ምኽሪ ብምቛም መንግስቲ ትግራይ ምዃኑ ዝኣወጀ ህወሓት፡ መዓርፎ ነፈርቲ ብምቁጽጻር ወግዓዊ ዳግማይ ኲናት ምእዋጁ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ ኩነታት ናይ ደገ ሓይልታት ኣብ ትግራይ ይዋግኡ ኣለዉ ምባሉ ኣብ ባይታ ዝተራእየ ሓቂ’ኳ እንተኾነ ፡ ይኹን እምበር ብመንጽር እቲ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ወተሃደራዊ ዝምድና፡ ክሲ ህወሓት ተሰማዕነት ክህልዎ ከምዘይክኣል’ዩ ዝእመን።
እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕሬዚደንት ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ መግለጺ፡ ንከተማታት ጭላን ራማን ሓዊሱ፡ ኣብ ብርክት ዝበለ ወሰናስን ከባቢታት ትግራይ፡ ናይ ድሮናትን ከበድቲ ኣጽዋራትን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸምን፡ በቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሂወት ሰለማውያን ሰባትን እንስሳታትን ጉድኣት ከምዝወረደን ዝኸስስ ኮይኑ፡ ሰፊሕ ናይ ስርቅን ምዝመዛን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ተግባራት ውን ይካየድ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
መንግስቲ ብልጽግና፡ ኪንዮ’ቲ ከፊትዎ ዘሎ ኲናት፡ ናይ ድሮንን ቴክኖሎጂን ክኢላታት ዝኾኑ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት፡ ኣብ ኲናት ትግራይ የሳትፍ ኣሎ ዝበለ ህወሓት፡ ሰራዊት ትግራይ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኲናት ሱዳን ክሳተፍ ይገብር ብምህላዉ፡ ክሲ ናይቲ ውድብ ኣቓልቦ ክረክብ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት የለን።
ካብ ዜናታት ኲናት ትግራይ ከይወጻእና ፡ ገለ ኣሃዱታት ትግራይ ምስ ሰራዊት ህግደፍ
ናብ ግጭት ከምዝኣተዋ ተገሊጹ።
እቲ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ህወሓትን ሰራዊት ህግደፍን ዝተወልዐ ውግእ፡ ብሰንኪ ስትራተጂካዊ ዘይምስምማዕ ዝተበገሰ ኮይኑ፡
ኮሎኔል ታደሰ ገ/ማርያም (ወዲ ያዞል) እትምራሕ ኣርሚ 17፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ህግደፍ ቶኽሲ ከምዝኸፈተት’ዩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ብኮሎኔል ወዲ ያዞል ትምራሕ ኣርሚ 17፡ ኣብ ማይ ኣባይ፡ ዓዲ ማእከል ከባቢ ኣድያቦ ወሰና ወሰን መረብ ዓሪዳ ምህላዋ ዝጠቅስ እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ውግእ ናብ ኤርትራ ኣይንሰግርን ካብ ዝብል ምርጫ ከምዝተበገሰ’ዩ ዝንገር።
እቲ ኣብ ዶባት ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ገና ይቕጽል ምህላዉ’ውን ዝጠቅስ እቲ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ትማሊ ኣማስይኡ ድፋዓት ህግደፍ ብምሕምሻሽ፡ ንገምሃሎ ገጹ ይግስግስ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።