ብፖሊሲ ግዱድ ዕስክርና ዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንወተሃደራዊ ስልጠና ብልጽግና ነቒፉ ።
ካብ መጀመርታ ናጽነት ኣትሒዙ ብዝኣወጆ ናይ ግዱድ ዕስክርና መደባቱ ዝፍለጥን፡ ብምስምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጉልበት ዜጋታት ብምምዝማዝ ዝናበርን ህግደፍ፡ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና ንዝወደቦ፡ ናይ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ወተሃደራዊ ስልጠና ክነቅፍ ምፍታኑ፡ ትዕዝብቲ ፈጢሩ ይርከብ።
ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ዝገለጸ፡ ብመንገዲ ኣፈኛ እቲ ጉጅለ ዝኾነ የማነ ቻርሊ ኣቢሉ ኣብ ዘቐመጦ ጽሑፍ ኮይኑ፡ ኣፈኛ ህግደፍ የማነ ቻርሊ ኣብ ወግዓዊ ናይ ኤክስ (X) ገጹ ኣብ ዘቐመጦ ጽሑፍ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይወስድዎ ዘለዉ ወተሃደራዊ ስልጠና፡ ዘሕዝን ትርኢት’ዩ ክብል ምፍታኑ ኣገራሚ ኮይኑ ይርከብ።
ኣፈኛ ህግደፍ የማነ ቻርሊ፡ ከም ወትሩ ፖተምኪን ፓርቲ ክብል ዝገለጾ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና፡ ንሰበ-ስልጣን እቲ ፓርቲ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱ ብምባል ናብ ስልጠና ከምዘእተዎምን፡ እዚ ተግባር እዚ ኲናት ዘጎሳጉስ’ዩ ክብል ዝነቐፈ ኮይኑ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዜጋታት ኤርትራ ብግዱድ ባርነት ካብ ሃገር ዘባረረ ህግደፍ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዚ ክብል ምድፋሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘለዎ ንዕቀት ዘንጸባርቕ’ዩ ።
ኣፈኛ ህግደፍ ቻርሊ ኣስዒቡ፡ ቀንዲ ተሓታቲ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ግጭትን፡ ኣብዚ ዞባ ዝተፈጥረ ውጥረትን፡ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ፓርቲ ዝተኸተሎ ግጉይ ፖሊሲ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዞባ ምስ ኩለን ጎረባብቱ ኲናት ዝኣወጀ ህግደፍ እንዳሃለወ ንብልጽግና ክነቅፍ ምፍታኑ ንባዕሉ ንጥፍሽናን ስግኣትን እቲ ጉጅለ ዘንጸባርቕ’ዩ ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሞያለ ዝተባርዐ ግጭት፡ ኣብ መንጎ ክልል ሶማሌን ክልል ኦሮሚያን ናይ መሬት ምስሕሓብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ይካየዱ ዘለዉ ከበድቲ ግጭታት፡ እቲ ገዛኢ ፓርቲ ብናይ ባዕሉ ምርጫ ዝኣተዎምን፡ ውጽኢት ናይቲ ዝፈሸለ ፖሊስኡን ምዃኑ ዝጠቐሰ ቻርሊ፡ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዘይምልከቶ ኲናት ኣትዩ ዜጋታትና ንምህላቕ ዝወሰዶ ናይ ጥፍኣት ፖሊሲ ግን ክጠቕሶ ወይ ሓላፍነት ክወስደሉ ኣይተሰምዐን።
ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ኣብ ሰፊሕ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላጥ ምስ ኤርትራ፡ ሶማልን ሱዳንን ዘየድሊ ወጥርታት ይፈጥርን፡ ኲናት ይውልዕን ኣሎ ክብል ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ኲናት ሸውሃት ዘለዎ ሓይሊ ከምዘየለ፡ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝመስከሮ ሓቂ’ዩ።
ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና፡ ዓበይቲ ሽርሕታት ናይ ደገ ሓይልታት ንምፍጻም፡ እሙን ተለኣኣኺ ብምዃን ርሑቕ ዝጥምት ኣተሓሳስባ ዘይብሉ፡ ግዝኣት ናይ ምስፍሕፋሕን ምዝርጋሕን፡ ከምኡ ውን ህውከት ናይ ምዝራእን ኣጀንዳ ንምስላጥ ይሰርሕ ምህላዉ ዝኸሰሰ ኣፈኛ ህግደፍ፡ ህግደፍ ብስም ጽምዶ ኣብ ውሽጣዊ ጸጥታዊ ስግኣት ኢትዮጵያ ንዝፈጥሮ ጸገማት ግን ከልዕሎ ኣይመረጸን።
ኢትዮጵያ ይኹን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዳግማይ ንካልእ ኣዕናዊ ኲናትን ዕንወትን ክጻወር፡ ፍጹም ዓቕሚ የብሉን ክብል ዘጠንቀቐ እቲ በዓል ስልጣን ህግደፍ፡ ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ሕጂ ዘድልዮ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ስልጠና ዘይኮነስ፡ ደው ኢሉ ንነብሱ ክፍትሽን ክግምግምን ከምዝግብኦ ብምትሕስሳብ መግለጺኡ ዝዛዘመ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ጉጅለ ህግደፍ ንምንታይ ዕላማ ዜጋታት ይገፍፍን እሱራት ይዕልምን ምህላዉ ግን ክጠቕሶ ኣይተሰምዐን።
ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ዝኾነ ቻርሊ፡ ብከምዚ ዓይነት ቀጥታውን ወግዓውን መግለጺ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክነቅፍ ምፍታኑ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዘሎ ዝሻሕከረ ዲፕሎማስያዊ ርክብን ፖለቲካዊ ዝምድናን፡ ፍጹም ናብ ዘይምለሰሉ ደረጃ ምብጽሑ ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ እቲ ብዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝሕሰብ ዘሎ ዘተ ውን ውጽኢት ክህልዎ ከምዘይኮነ ዝእንፍት’ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ’ቲ ንሰበ-ስልጣን መንግስቲ ብልጽግና ዝወሃብ ዘሎ ወተሃደራዊ ስልጠና ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ስልጠና ወተሃደራውን ሲቪላውን ዕላማ ከምዘለዎ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ሰልፊ ብልጽግና ንክልቲኡ ዕላማ ዘዕውት ወለዶ ንምፍጣር ይሰርሕ ምህላዉ ውን ጠቒሱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።