
ኣብ ማዕከናት ዜና እስራኤል ብመሰረት ወጽዩ ዘሎ ሓበሬታ ብሓሙስ 24 ሚያዝያ ምሸት ብወገን ዶብ ጆርዳን ክልተ ኤርትራውያን ካብ እስራኤል ኣምሊጦም ክሃድሙ ብምትሕብባር ፖሊስን ሰራዊት ምክልኻል እስራኤልን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ፡ ይግለጽ ኣሎ።
እቶም ተታሒዞም ዘለዉ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቅትለት ሰብ ድማ ኢድ ከም ዝነበሮም እዩ እቲ ሓቤሬታ ተዘርጊሑ ዘሎ ዝገልጽ ።
ከም ዝፍለጥ ኣብ እስራኤል ብቅትለት ዝጥርጠሩ ኤርትራውያን ኣብ ምድላይን ምክትታልን ፖሊስ ከም ዝነበሩ ዝፍለጥኳ እንተኾነ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክውዕሉ ድማ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ግቡእ ምትሕብባር ክካየድ ጸኒሑን ኣሎን።
ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዕለታዊ ዝሕይል ዘሎ ኣወዳድባ ብርጌድ ንሓመዱ በቲ ምስ ሰብ መዚ ጸጥታን ሕጊን እተን ሃገራት ዝደላደሉ ዘለዉ ርክባት መሊሱ ይራጎድ ከምዘሎ ኣይርሳዕን። ብርጌዳውያን ማሕበረኮማዊ ወፈራታት እንዳቃንዑ እዉን ኣብ ዘዝነብሩለን ሃገራት ምስሎምን ዕላማኦምን ምስ ህዝቢን መንግስተን እተን ዝነብሩለን ሃገራት ኣብ ምልላይ ውን ይዕወቱ ኣለዉ።
መንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ናይ እምባጋሮ ምንቅስቓስ ጥራይ ክኾነሉ ትምኒቲ ዝነበሮ ህግደፍ: ዕላማ እቶም መንእሰያት ንጎነጽ ሰጊሩ ፖለቲካዊ ሕቶኡ ናብ ዘነጸረ ድልዱል ውዳቤ ብምስጋሩ’ዩ ህግደፍ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ክትሕመስ ትርከብ።