
ቻርለስ ኦንግእንዶ ዌረ ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ኬንያ፡ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ብመኪና እናተጓዕዘ እንከሎ፡ ብሞተር ሳይክል ይከታተልዎ ካብ ዝነበሩ ዕጡቓት ሓደ፡ ካብ ቀረባ ርሕቀት ኮይኑ ብዝተኮሰሉ ጥይት ተወቂዑ ሂወቱ ምሕላፉ፡ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ እታ ከተማ ዝኮነ ሙቺሪ ንያጋ፡ “እቲ ዝተፈጸመ ገበን ብመደብ ዝተወጠነን፡ ንፍሉይ ሰብ ዕላማ ዝገበረን”ዩ ዝመስል፡ ዝበለ ኮይኑ፡ ፖሊስ ፈጸምቲ ገበን ንምህዳን ኣብ ህጹጽ ስራሕ ምህላዉ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ተቓዋሚ ኣባል ባይቶ እታ ሃገር ምንባሩ ዝንገረሉ ቻርለስ ኦንግእንዶ ዌረ፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ምህላዉ ገሊጹ ከም ዝነበረ ማዕከናት ዜና ኬንያ ዝሓበራ ኮይነን፡ ኣብ ናይ ክልተ ወርሓት ግዜ ብናይ ቃጻ መጥቃዕቲ ሂወቱ ምሕላፉ፡ ስጋኣቱ ምኽንያታዊ ምንባሩ”ዩ እንዳተገልጸ ዝርከብ።
ድሕሪ እቲ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ዝተፈጸመ ናይ ቃጻ መጥቃዕቲ፡ ምስቲ ዝተቐትለ በዓል ስልጣን መንግስቲ ዝነበሩ መራሒ መኪናንን ሓላዊኡን ብቕልጡፍ ናብ ሆስፒታል ናይሮቢ እኳ እንተ ወሰዱዎ፡ ብኸቢድ ቆሲሉ ስለዝነበረ ገና ኣብ ቀዳመይ ረዲኤት እናሃለወ ሂወቱ ምሕላፉ”ዩ እቲ ዜና ወሲኹ ዘረድእ።
እቲ ዝተፈጸመ ናይ ቃጻ መጥቃዕቲ፡ ጻዕቂ ምንቅስቓስ መካይን ኣብ ዘለዎ ዓቢ ጽርግያ ንጎንግ ዘጋጠመ ኾይኑ፡ ወላ”ኳ እቲ ከባቢ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ክትትል ፖሊስ ትራፊክን፡ ናይ ጸጥታ ካሜራታት ዝሕሎ ይኹን፡ ድሕሪ”ቲ መጥቃዕቲ ከይደንጎየ ኣብቲ ከባቢ ዝተረኽቡ ኣባላት ፖሊስን ወሃብቲ ህጹጽ ረዲኤትን፡ ንግዳይ ካብ ሞት ከትርፍዎ ዘይምካኣሎም፡ ማህረምቱ ቀሊል ከምዘይኮነ ዘረጋግጽ ምኳኑ”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ፖሊስ እታ ከተማ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዕሙቕ ዝበለ መርመራ ከካይድ ህጹጽ ትእዛዝ ሂቡ ምህላዉ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኬንያ፡ ፈጸምቲ ገበን ብህጹጽ ተታሒዞም ክሕተቱ ዓቢ ወፍሪ ጀሚሩ ምህላዉ”ዩ ዘነጽር።
ድሕሪ”ቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር፡ በቲ ቅትለት ዝተሰምዖም ስንባደን ቍጥዐን ብምግላጽ፡ ቅልጡፍ መርመራን መስርሕ ፍትሕን ክካየድ ጸዊዖም ምህላዎም ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዝገለጻ ኮይነን፡ ኣፈኛ ባይቶ ዝኾነ ሙሴ ዌታንጉላ፡ ነቲ ብቃጻ ዝተቀንጸለ ኣባል ባይቶ “ዘይፈርሕን ክቡርን” ሓጋጊ ኣካል ክብል ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊኡ ንዝተፈጸመ ናይ ቅንጸላ ተግባር “ኣዕናዊ ውሳነ” ክብል ብትሪ ኰኒኑዎ ይርከብ።