
ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ፈደራል ንፕረዚደንት ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ ዮናታን ዳነየ፡ ትማሊ ረፋድ ብዝለኣኾም ሓይልታት ጸጥታ ኣቢሉ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዎ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ዮናታን ዳነየ ብውልቃዊ ምኽንያት ከምዘይተኣሰረን፡ ምክንየት መእሰሪኡ እቲ ብክኢላታት ሰብ ሞያ ጥዕና ዝቐርብ ዝነበረ ጠለባትን ስራሕ ደው ናይ ምባል ተቃውሞታትን ከምዝኮነ ዝገለጸ እቲ ማሕበር፡ እኹል ተወሳኪ ሓበሬታ ረኺቡ ንጹር መረዳእት ክህብ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ኣቶ ዮናታን ሓደ መዓልቲ ቅድሚ ምእሳሩ፡ “ንሕቶ ትድለ ኣለኻ” ዝብል ጻውዒት ካብ ሓይልታት ጸጥታ ሰብ መዚ መንግስቲ ፈደራል ከምዝበጽሖ ሓቢሩና ኔሩ ዝበለ መግለጺ እቲ ማሕበር፡ ትማሊ ግን ስድርኡ ደዊሎም ዮናታን ካብ ገዝኡ ብሓይልታት ፈደራል ተወሲዱ ከምዝተኣሰረ ሓቢሮሙኒ ክብል”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ዶሞዝ ናብ መንግስቲ ፈደራል ናይ ደሞዝ ይወሰኸና ጥርዓን ኣብ ምቅራብ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ክሳብ 17 ግንቦት 2025 ኣብ ዘሎ ግዜ ንሕቶኦም መልሲ ክህብ እንተዘይኪኢሉ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ኣብ መንግስታዊ ትካላት ዝነበሮም ሞያዊ ኣገልግሎት ደው ከብሉ ምኳኖም ከጠንቅቁ ምስ ምጽንሖም መንግስቲ ፈደራል ኣሲርዎ ክኸውን ከምዝክእል”ዩ ዝእመን።
ወርሓዊ 80 ዶላር ጥራሕ ክፍሊት ዝረኽቡ ዶኳትር ኣትሕዚካ፡ ክሳብ ዝነኣሱ ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ተሓጋገዝቲ ሓካይም፡ ነቲ “ዕግበት ገዛ ክራይ ኣይከፍልን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝፈለመ ኣድማ ሰብ ሞያ ሕክምና ብዝለዓለ ቁጽሪ ክጽንበርዎን፡ ካብ ሰብ ሞያ ሕክምና ናብ መምሃራን ከይተረፈ ክሰግር ዝተዓዘበ መንግስቲ ፈደራል፡ ንሕቶኦም ብጎነጽ ክፈትሖ ምፍታኑ፡ ኣብ እንቢታ ስራሕ ክሳብ ህዝባዊ ናዕቢ ዝከይድ ዝገደደ ሓደጋ ክፈጥር ከምዝክእል”ዩ ዝእመን።