እዚ ኣብ ከተማታት ሊለሃመርን : ኡቶያን ካብ ዕለት 31 ግንቦት ክሳብ 4 ሰነ ዝተኻየደ ዋዕላ ዌክስፎ (wexfo)
ክኢላታት መንእሰያት ብዛዕባ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ዋዕላ ንኽሳተፉ ካብ 40 ሃገራት ካብ 18 ክሳብ 35 ዓመት ዝዕድሚኦም 70 መንእሰያትን ዓለምለኻውያን ክኢላታት ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝተረኽብዎ እዩ ነይሩ።
ኣብ’ዚ ዋዕላ ክልተ ኣባላት ፐን ኤርትራ ዝኾኑ መንእስያት ዮናስ ሃይለን : ኮኾብ ተስፋልደትን ምስቶም ዝተመርጹ ጉጅለ መንእሰያት ክኢላታት ዓለም ተግበርቲ፡ መራሕቲ ሲቪላዊ ማሕበራትን ካልኦት ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ቴክኖሎጅን: ስነጥበብን ዝነጥፉ ኮይኖም ተሳቲፎም።
ሕቡራት ሃገራት (UN) ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣብ ዓለም 1,8 ቢልዮን መንእሰያት ከምዘለዉ ዝግምት ኮይኑ፡ እዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ዝተመዝገበ ዝለዓለ ቁጽሪ መንእሰያት እዩ።
ብርክት ዝበሉ ካብዞም መንእሰያት ንሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ሰላምን ብንጥፈት ይዓዩን የስፋሕፉሕን ኳ እንተሃለዉ ይኹን እምበር መንእሰያት ካብቲ ኣብ ህይወቶምን ብሕብረተሰቦምን ዝጸሉ መስርሕ ውሳነ ምግላል ይቕጽል ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ብዙሓት ንጡፋት መንእሰያት ርእይቶኦም ንዘስምዑ፡ ኣብ ዓቢ ሓደጋ ከምዝወድቁን ምግፋዕ፡ ምኽሳስን ማእሰርትን ምስዋርን እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ይፍለጥ ።
ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዓንቀጽ 19 “ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ከም መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ንኹሉ የቐምጥ።እዚ ማለት መሰል ናጻ ሓሳብካ ምግላጽ ንመንእሰያት ሓዊሱ ንኹሎም ውልቀሰባት ክሕሎ ዝግባእ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ክእለት፡ ተመኩሮን ኣረኣእያን መንእሰያት ኣብ ቅድሚት ኣብ ዝካየድ ዘተን መስርሕ ውሳነን ኣብ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ክቐርብ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ” ዝብል እዩ ።
ሰሚናር መንእሰያት ክኢላታት ዌክስፎ (wexfo) ብዛዕባ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ መሰል ሓሳብካ ምዝራብን ናጽነቶም ተጠቒሞም ኣብ ውሽጢ ሃገሮምን፡ ዓለምን ኣብ ጉዳያት ጽልዋ ዘሕድሩ ፍሉጣት መንእሰያት ክኢላታት ኣብ ሓደ ዘራኽብ እዩ። እቲ ሰሚናር ተሳተፍቲ ኣብ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ሓሳባትን ብሉጻት ኣሰራርሓታትን ክለዋወጡ ዕድል ዝፈጥር እዩ።
ተሳተፍቲ መንእሰያት ናይ ሓሳብካ ናጽነት ናይ ምግላጽ መሰሎም ክጥቀሙሉ ከለዉ ዘጋጥሞም ብድሆታት ርእይቶኦምን ሓሳባቶምን ከካፍሉን ውን ዝዕድም እዩ። እዚ መሰል እዚ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ኣብ ሓደጋ ‘ዩ ዝርከብ።
ካልእ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝውክል ሽልማትን ኣፍልጦ ምሃብን ንፈለማ እዋን ተዋሂቡ ። ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ሰላም 2021 ማርያ ረሳ ኣብ’ቲ መደብ ንተዓዋቲት ኣፍልጦ ሂባ ።
ኢማን ማዛሪ-ሓዚር ጋል 31 ዓመት ኮይና ካብ ፓኪስታን ዝመጸት መንእሰይ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ኮይና፡ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ንዝተገለሉ ጉጅለታት ትቃለስ እያ። ልዑል ሓደጋ ዘለዎም ጉዳያት ወሲዳ፡ ኣብ ቅድሚ ሞትን ሂወትን ምፍርራሕን ስደትን ጸኒዓ ደው ኢላ፡ ኣብ ዓዳ ይኹን ኣብ ዓለም ንዝርከቡ መንእሰያት ጠበቓታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣርኣያ ኮይና ነቲ ሽልማት በቒዓ ኣላ።