
ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ክትረክብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ንምፍሻል ዝጽዕሩ ሓይልታት ኣብዚ ዞባ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።
እቶም ኣስማቶም ብግልጺ ዘይተጠቅሰ ሓይልታት፡ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ምሕዝነት ብምፍጣር ወደብ ወይ ውን ኣፍደገ ባሕሪ ንኸይትረክብ ይሰርሑ ምህላዎም ዝገለጸ እቲ በዓል ስልጣን፡ ይኹን እምበር፡ ኩሉ ጻዕርታቶም ባይታዊ መሰረት ዘይብሉ ምትንዃል ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘላቒ ሰላምን ጸጥታዊ ድሕነትን ንምርግጋጽ ብትግሃት ይሰርሕ ኣሎ ዝበለ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምትሕብባር፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብን ሓባራዊ ዕብየት ንምርግጋጽን ዘይሕለል ጻዕሪ ትገብር ምህላዋ”ዩ ዝግለጽ።
ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ብምድርን ባሕርን ንዝፍጸም መጥቃዕቲ መኪቱ ልኡላውነት ሃገር ክሕሉ ዝኽእል ሰራዊት ሃኒጽና ኣለና ዝበለ ብርሃኑ ጁላ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኢትዮጵያ ባሕሪ ክትረክብን ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርትን ቆሪጹ ተላዒሉ ምህላዉ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
መግለጺ እቲ በዓል ስልጣን ምሉእ ብምሉእ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ዝጠመተ ምኳኑ ብዙሓት ዝሰማምዑ ኮይኖም ይኩን እምበር እቲ ብመንገዲ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ጉዳይ ባሕሪ ዝለዓል ዘሎ ሕቶ ንጹር ዘይምኳኑ፡ ድሌት መንግስቲ ፈደራል ብዙሕ ሕቶታት ዝፈጥር ኮይኑ ምህላዉ”ዩ ዝእመን።