
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ኣሲርዎም ዘሎ ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፈትሕን፡ ፖለቲካዊን ሲቪካውን መሰላት ዜጋታታ ከኽብርን፡ ሕቡራት ሃገራትን ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብዎም ወገናት ጸዊዖም።
ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ትማሊ ሰኑይ 16 ሰነ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኩነታት ኤርትራ ገና ከምዘይተመሓየሸ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ንቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ምስዋር ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዜጋታት፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ብዝኸፈአ መልክዑ ይቕጽል ከምዘሎ”ዩ ዝጠቅስ።
እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ መሰላት ካብ ዶባት እታ ሃገር ሰጊሩ ናብ ዳያስፖራ ከምዝበጽሕ’ውን እቲ ፍሉይ ወኪል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ክሳብ ምእሳርን ምጭዋይን ኪኖ ዶባት ኤርትራ ዝሰግርን ክሳብ ዳያስፖራ ዝዝርጋሕን ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ’ቲ መጋባእያ ተረኪቦም ርእይቶኦም ዘስምዑ ወከልቲ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን’ውን ብተመሳሳሊ፡ ጉጅለ ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ መሰላት ደው ከብልን፡ ለውጢ ክገብርን ጻውዒት ዘቅረቡ ኮይኖም፡ ሃለዋት ናይቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ተሰዊሮም ዘለዉ ዜጋታት ክግለጽን፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ’ውን ብህጹጽ ክፍትሑን”ዩ መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ ዝጠልብ።
ኣብ ልዕሊ ተሓለቕቲ ሰብባዊ መሰላትን ተቓወምቲ ናይቲ መንግስት”የ ዝብል ጉጅለን ዝፍጸም ዘሎ ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ፡ ኣዚዩ ኣተሓሳሳቢ”ዩ ዝብል እቲ ሕብረት፡ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ዘይሕጋዊ ዕስክርናን ደው ከብሎ”ዩ ምሕጽንቱኡ ዘቅርብ።
ኣብቲ መጋባእያ ዝተረኽበ ወኪል ጉጅለ ህግደፍ ሃብቶም ዘርኣይ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝቐረበ ጸብጻብ ፖለቲካዊ ሃቐነ ዘለዎ’ዩ ብምባል ዝነጸጎ ኮይኑ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ርትዓዊ ከምዘይኮነ ብምግላጽ ንገበናት ጉጅለ ህግደፍ ክሽፍን ፈቲኑ።
ኣተኩሮ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ “ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ጾታዊ ማዕረነትን ዘላቒ ልምዓትን” ምዃኑ ብምጥቃስ ንጉጅለ ህግደፍ ክኾሓሕል ዝፈተነ ኣቶ ሃብቶም፡ “ኤርትራ ሰብባዊ መሰላት ኣይትነጽግን እያ፡ ንሃገራዊ ልኡላውነት ናይ ምድኻም መሳርሒ ምዃኑ ግን ንቃወሞ ኢና ብምባል”ዩ፡ ንገበናት ጉጅለ ህግደፍ ሕጋውነት ከልብሶ ፈቲኑ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ መጋባኣያ፡ ዓመታዊ ዝሕደስ መዝነት ስልጣን ፍሉይ ልኡኽ ሰባኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ከብቅዕ ዝሓተተ ኮይኑ፡ 19 ገጻት ኣብ ዘለዎ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ንዝቀረበ ኩሉ ዓይነት ክስታት፡ ማለት ኣብ ኤርትራ ልዕልና-ሕጊ ጎዲሉ ከምዘሎ፡ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ይኹን ኣብ 2015 ተነዲፉ ዝተባህለ ሓድሽ ሕገመንግስቲ ኣብ ግብሪ ከምዘይወዓለ፡ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ካብ 2002 ጀሚሩ ከምዝፈረሰ፡ ኣብታ ሃገር ተሓታትነት ከምዘየለ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንኣዋጃትን ፕረዚደንታዊ መምርሒታትን ብምብሓት ስልጣን ሓጋጊ ኣካል ከምዝገበተ፡ ናጽነት ሕልና፡ ሃይማኖትን እምነት ኣብ ጽኑዕ ገደብ ምህላው ዝገልጽ ጸብጻብ፡ ውጹእ ጸለመ ምኳኑ ብዘንጸባርቅ ቃላት”ዩ ክኽሕዶ ተሰሚዑ።
ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ማእሰርትን ምስቃይ ሰዓብቲ ወንጌላውያን እምነታትን፡ መርኣያ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩለመዳያዊ ምልኪ ምዃኑ ኣብቲ መጋባእያ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሰብመዚ ናይቲ መንግስቲ”የ ዝብል ጉጅለ፡ ኣብተን ሕጋዊ ልቸንሳ ኣለወን ዝባሃላ ሃይማኖታት ካቶሊክን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያንን ውን ኢዶም ከምዘእትዉ”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ምስ ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነብሩ ውዳቤታት ናይቲ ጉጅለ፡ መሳርሒ ገበን ኮይኖም ምህላዎም ውን፡ ኣብቲ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ዝቀረበ ኮይኑ፡ ኣብ ዳያስፖራ ዝርከቡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ደገፍቲ ደሞክራሲ ዝኾኑ ጎስጎስቲ ኣካላት፡ ናጻ ጋዜጠኛታትን ፖለቲካውያን ተቓወምቲን፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ምትእስሳር ብዘለዎም ውልቀሰባትን ዒላማ ይኾኑን፡ ግዳያት ስግኣትን ምስርጣይን” ይኾኑ ከምዘለዉን”ዩ ተጠቂሱ ዝርከብ።