
ብመሰረት ሓበሬታ ማዕከን ዜና CNN፡ ኢራን ኲናት ደው ኣቢላ ናብ ዘተ ንኽትቀርብ፡ 30 ቢልዮን ዶላርን እገዳ ናይ ምስራዝ ሞቅሽሽን ካብ ኣሜሪካ ከምዝቀረበላ ተገሊጹ።
ኣመሪካ ኢራን ናብ መኣዲ ዘተ ንምምላስ ጽዑቕ ጻዕሪ ከምዝገበረት ዝገለጸ ጸብጻብ CNN፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ኣብ ሞንጎ ኢራንን እስራኤልን ዝተወለዐ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ትራምፕ ምስ ኢራናውያን ሰበስልጣናት ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ክዛተዩ ከም ዝጸንሑ”ዩ ካብ ምንጭታት ረኪበዮ ክብል ገሊጹ ዝርከብ።
ድሕሪ’ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ኢራንን እስራኤልን፡ ኣብ ሞንጎ ምምሕዳር ትራምፕን ሰበስልጣናት ኢራንን ዝካየድ ዘተ ይቅጽል ምህላዉ ዝገለጸ CNN፡ ኢራን ናብ ዘተ ተመሊሳ ዋላ እኳ እንተሃለወት፡ ኣብ ምህብታም ዩራንየም ግን ዘይንቕነቕ መርገጺኣ ከምዘነጸረት”ዩ እቲ ጸብጻብ ዘረድእ።
እቲ ንኢራን ዝተዋህበ ናይ 30 ቢልዮን ዶላር ሞቅሽሽ፡ መደብ ምምዕባል ሲቪላዊ ኒዩክለራዊ ንምድጋፍ ዝዓለመ ምዃኑ ካብ ነዚ ጉዳይ ዝፈልጡ ሰበስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ከምዘረጋገጸ ዝገለጸ CNN፡ ይኹን እምበር ኢራን ምምዕባል ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ደው ናይ ምባል መደብ ከምዘይብላ”ዩ ዝገልጽ።
•••